Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

  ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

 

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

ኣቃውማ ሰልፊ ካብ ዋህዮ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ዋህዮ ኣብ ከከም ኵነታቱ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ኣባላት ይበጽሕ ነይሩ። ኣብ ደጀንን (ክፍልታት) ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ከም ዝፈላለ ምርዳእ ግን ኣገዳሲ እዩ። ንኡስ ጨንፈር ብሰለስተ ዋህዮታት ክቐውም ከሎ። ጨንፈር ድማ ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ንኡሳን ጨናፍር ትጥርንፍ። ዓበይቲ ኣሃዱ ኣብ ሓንቲ ንኡስ ጨንፈር ክጥርነፋ ከለዋ፡ ንእስ ዝበላ ኣሃዱታት እንተ ኾይነን ግን ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ተሓዊሰን ንኡስ ጨንፈር የቝማ። ልዕሊ ጨንፈር ድማ ማእከላይ ሽማግለ ናይ ሰልፊ ወይ መሪሕነት ኣሎ። ምስ ስፍሓትን ዝርግሐን ውድብ ግን ኣቃውማን ኵነታትን ጨናፍር ሰልፊ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈላለ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ምስጢራዊ ሰልፊ ንምፍላጥ ግን ኣብ 1986 ንዝተገብረ ጉባኤ ሰልፊ ንመልከት።

እቲ ጉባኤ፡ ቤትትምህርቲ ካድር ኣብ ዝነበረሉ ቦታ ኣብ ግልዕ‘ዩ ተኻይዱ። ዕላማኡ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ንምምራጽ ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ኣሃዱታቶም በቲ ልሙድ መስርሕ ምርጫ ሰልፊ ተወኪሎም ከም ዝመጽኡ’ዩ ተገይሩ። ጉባኤ ምስ ተጀመረ ኢሳያስ ከም ዋና ጸሓፊ ናይ ሰልፊ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ጸብጻብ ምስ ኣንበበ ብወገን ተሳተፍቲ ዝቐረበ ክትዕ ኣይነበረን። ጕድለት ኣይነበረን ማለት ግን ኣይኮነን። ትም ኢልካ ምቕባል ከም ባህሊ ስለ ዝተወስደ ንዑኡ ዝውድስ ርእይቶታት ጥራይ’ዩ ቐሪቡ። ኢሳያስ ጸብጻቡ ኣንቢቡ ከም ተራ ተሳታፊ ኮፍ ምስ በለ፡ ጉባኤ እተካይድ ሰክረታርያ ትመረጽ ተባህለ። ሰክረታርያ፡ ከም ግቡእ ብጉባኤ’ያ ክትምረጽ ነይሩዋ። ኣብ ክንዲ ብምርጫ ግን ብስምምዕ‘ያ ተመሪጻ። ድሩዕ፡ ኣልኣሚን፡ ባዱሪ ምስ ተጠቕሱ ትም ትም ኮነ። ብድሕር’ዚ ኢሳያስ ተሲኡ፡ “ወዲካሳ፡ ወዲከኪያ ሃየ’ባ ተስኡ፡” ምስ በሎም ብድድ ብድድ በሉ’ሞ፡ ‘ይርሓሰና’ ተባሂሉ ሰክረታርያ ስራሓ ጀመረት። እዚ ዝእንፍቶ ነገር እንተ’ልዩ፡ ቅድሚኡ ቦታ ዘይነበሮም ሰባት፡ ኢሳያስ ድሒሮም መጋበርያ መታን ክኾኑዎ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ከደይቦም ከም ዝወሰነ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኢሳያስ ምልክት ስለ ዝሃበ ጥራይ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ተመሪጾም። ኣብዚ፡ ኣባል ሰልፊ ናይ ዘይነበረን ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦን የማነ ገብረኣብ[1] ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ ንመልከት።

የማነ፡ ካልኣይ ጉባኤ ናይ ሰልፊ ክሳብ ዝውዳእ ኣባል ሰልፊ ኣይነበረን። ኢሳያስ ናይ ስልጣን ምቅይያራት ክገብር ስለ ዝደለየ ግን ኣብ ጉባኤ ከም ማእከላይ ሽማግለ ክምረጽ ደልዩዎ። ኣብ ኣሃዱኡ ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ሰባት ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ግን ኣባል ሰልፊ ስለ ዘይነበረ ይኹን ብኻልእ ምኽንያት ከይተመርጸ ተሪፉ። እዚ ዘይተዋሕጠሎም ኣባላት ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ዓሳክር ኢሳያስ፡ “ጌጋ ተፈጺሙ ኣሎ፡” ብምባል ከም ብሓድሽ ምርጫ ክግበር ኣለዎ ኢሎም ስለ ዘዕገርገሩ፡ እቲ ምርጫ ብዘይ ሓደ ምኽንያት ተደጊሙ። እቲ ብሓፋሽ ዝተመርጸ ሰብ ተሪፉ ድማ ኣብ ክንድኡ የማነ ተመሪጹ ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ጕዳይ’ዚ ብጸቕጢ ናይቲ ትእዛዝ ኢሳያስ ዝትግብር ዝነበረ ኣልኣሚን ከም ዝተፈጸመ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ይዛረቡ። ብኸምዚ ዝኣመስለ ድራማ’ዩ ድማ የማነ ንመጀመርያ ግዜ ከም ኣባል ሰልፊ ይኹን ከም ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ውድብ ክቕልቀል ዝኸኣለ። ኣባላት ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ኣባላት ዜና ብዛዕባ’ቲ  ፍጻሜ ከዕልሉ ከለዉ፡ ‘የማነ ማንኪ ኣብ ውድብ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዝነበረን ኣባል ኮይኑ ከም ዘሎን ምስ ተነግሮ፡ ብስምባደን ምግራምን ብረሃጽ ከም ዝተሓጽበ ይዛረቡ። ኢሳያስ ነቲ እከይ ተግባራቱ ኣብ ምፍጻም ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ስለ ዝደለየ ድማ ድሕሪ ናጽነት የማናይ ኢዱ ብምዃን ገባርን ሓዳግን ገይሩዎ።

ናይ ወዲካሳን ወዲከኪያን ናብ ማእከላይ ሽማግለ ምምራጽ’ውን ብናይ ኢሳያስ ቀጠልያ መብራህቲ ሓበሬታ ከም ዝነበረ ርኢና ኣለና። ኣባላት ሰክረታርያ ኮይኖም መስርሕ ምርጫ ምስ ጀመሩ፡ 36 ሰባት ምስ ቅያር ኣባላት ብናጻ ምርጫ ክምረጹ ከለዉ፡ ሰክረታርያ ኣልግብ ኣቢላ ናይ ግንባር ማእከላይ ሽማግለ ድማ ይመረጹ ስለ ዝበለት፡ ብኸመይ? ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ገለ ሰባት፡ “ንዅሉ ሰብ ክንፈልጦ ስለ ዘይንኽእል፡ እዞም ዝመረጽናዮም ናይ ሰልፊ ማእከላይ ሽማግለ መሪጾም የቕርቡልና’ሞ፡ ዝምላእ ክንምልእ ዝጐድል ድማ ክነጕድል፡” ዝብል ርእይቶ ቀሪቡ። እዚ ከም ቅቡል ስለ ዝተወስደ ድማ እቶም ሰላሳን ሽዱሽተን መራሕቲ ሰልፊ ካብ ናይ ምርጫ ኣዳራሽ ግልል ኢሎም ተኣልዩ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ከኣ ናይ 75 ሰባት ዝርዝር ኣስማት ሒዞም ብምቕራብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣንበቡሎም። “ኣብዚ ዘለኩም ርእይቶ፡” ምስ ተባህለ ድማ ከምቲ ልሙድ ኵሉ ውዱእ ስለ ዝጸንሐ፡ “ይርሓሰና! ይርሓሰና!” ተባሂሉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ከም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ንኽመርጾም ተወሲኑ።

ኣብዚ ግን ተሪር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ተቓውሞ ኣይቀረበን ማለት ኣይኮነን። ምናልባሽ ኣብ መጓዓዝያ ምስ ዝነበረ ኵነታት ኣተኣሳሲሩ ዘቕረቦ ክኸውን ይኽእል ዓንደ ሕሻል፡ “ብቑዕ ኣይኮነን” ዝብል ነጥቢ ብምቕራብ ኣንጻር መስፍን ሓጐስ ተቓውሞ ወርዊሩ ነይሩ። ኢሳያስ ግን ንመስፍን ሓጐስ ኣሕሊፉ ክህቦ ስለ ዘይደሊ፡ “ናጽነት ኣለካ ክብሃል ከሎ ኣፍንጫኻ ክሳብ ዘይተሃረምካ’ዩ ዝብል ምስላ ኣሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ “መስፍን ብቑዕ እንተ ዘይኮይኑ መን’ዩ ብቑዕ ክኸውን?” ብምባል ብነድሪ መሊሱሉ። ኣብዚ፡ ወዲኤፍረም ናይ ኢሳያስ ኣሰር ብምኽታል ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሰብ ንዕስራ ዓመታት ይጐዪ’ሞ፡ በጋጣሚ ሓደ መዓልቲ እንተ ተዓንቀፈ፡ ተዓንቂፍካ ኢልካ ክዝረብ ዝከኣል ኣይኮነን፡” ብምባል ነቲ ናይ ኢሳያስ ዘረባ ዝድግፍ ዝመስል፡ ግን ከኣ መስፍን ሓጐስ ጌጋ ገይሩ ከም ዝነበረ ዝእንፍት ድርብ መልእኽቲ ዘስምዕ ርእይቶ ሂቡ። ብድሕር’ዚ፡ ንነፍስሄር መሓመድ ስዒድ ባርህ የማነ ተኽለገርግሽ ዝብሃል፡ ኣብ ሶማል ከም ኣባል ስለያ ዝሰርሕ ዝነበረ መሳርሕቱ ነበር፡ “ንወዲባረ ብዘይካ ክሰትን ክሰክርን ክሰርሕ ርእየዮ ስለ ዘይፈልጥ ብቑዕ ከም ዘይኮነ‘ዩ ዝርድኣኒ፡” ክብል ተቓውሞ ኣስሚዑ። ወዲሰለሙን ናይ ክልቲኦም ሓላፊ ከም ምንባሩ መጠን፡ “የማነ ትዛረቦ ዘለኻ ካብ ጸቢብ ኣረኣእያ ዝብገስ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ኵነታትና ዝኸይድ ኣይኮነን፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂቡዎ። እቲ መልእኽቲ፡ ወላ ይጋገ ተቓውሞኻ ቅቡል ኣይኮነን ዘስምዕ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ሓደ ብፍሊጶስ በዓልቲቤቱ ዝተመንዝዐ ካድር ኣብ ልዕሊ ፊሊጶስ ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ንሱ’ውን ዝድግፎ ሰብ ስለ ዘይረኸበ ነቐፌታኡ ክንቱ ኮይኑ ተሪፉ።

እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ዝርዝር እምበኣር፡ እቲ ጉባኤታት ናይ ሰልፊ ይኹን ናይ ግንባር፡ ከምቲ መራሕቲ ህግሓኤ ንናይ ደርግ ምርጫታት ከቋናጽቡ ኸለዉ ጐረሮኦም ክሳብ ዝልሕትት፡ “ናይ ደርግ ምርጫታት ትያትሮ’ዩ። ኣቐዲሙ ተወዲኡ ዝጸንሐ ጕዳይ ንህዝቢ ንምትላል ንይምሰል ዝካየድ’ዩ፡” ብምባል ዓንገረር ዝብሉዎ ዝነበሩ፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝካየድ ዝነበረ ምርጫታት’ውን ንርኣዩለይ ስምዑለይን ንሓፋሽ ንምትላልን ይግበር ከም ዝነበረ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ከም ዝኾነ ክፍለጥ ይግብኦ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ ብታሕተዎት ኣባላት ሰልፊ ዝቐረበ ተቓውሞ ምስ ተደምደመ፡ “ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣነ እበልጽ ኣነ እበልጽ ዝብል መንፈስ ነጊሱ ኣሎ። ናይዚ መርኣያ ድማ ኣብ ገዛ ምስራሕ ይኹን ውልቃዊ ድሌትካ ኣብ ምርዋይ ዘተኰረ ሓለፋታት ገኒኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ከም ተርእዮ ናህሪ ክውስኽ ጸኒሑ’ዩ፡” ክብል መሪር ግን ከኣ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝቐንዐ ሓፈሻዊ ነቐፌታ ብኢሳያስ ቀሪቡ። እቲ ዘረባ ዘይተዋሕጠሉ ሓቅነት ናይቲ ጕዳይ ክገሃድ ዝደሊ ዝነበረ ፍስሃየ ወልደገብርኤል፡ “እዚ ጃምላዊ ኣዘራርባ’ዚ ቅቡል ኣይኮነን። መን? ኣበይ? መዓስ? ብዝርዝር ቀሪቡ እቶም ሰባት ብግቡእ ክንቀፉ ኣለዎም፡” ክብል ተቓውሞ ኣስሚዑ። ኢሳያስ ድማ፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ፡ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ እዋናት ነቲ ጕዳይ እተጻሪ ኮሚቴ ወጺኣ ክርአ ይከኣል ይኸውን። ሕጂ ግን መስሓቕ ወያኔ መታን ከይንኸውን ኣይክዝርዝሮን’የ፡” ክብል መሊሱ። እዚ ግን ምስቲ ዝነበረ ኣቃውማን ምስጢራውነትን ሰልፊ ዝጋጮ ናይ ምስሉያት ዘረባ’ዩ። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፡ ቀዳማይ ነገር እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ይትረፍ ብዛዕባ ተራ ኣባል ውድብ ዝፈልጦ፡ ኣብ ሓለፍቲ ዝነበረ ናይ ሓለፋታት ጕዳይ፡ ኣሎ ዝብሃል ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምስጢር ውድብ ዝፈልጡ ገበርትን ሓደግትን’ዮም ነይሮም።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብሓለፍቲ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ብልሽውና ተግባራት፡ ኢሳያስ ንጥቕሙ ክብል ኣብ 1986 ናብ ግንባራት ዑደት ብምግባር ኣብ ቅድሚ ተጋደልቲ ኣቃሊዑዎ ነይሩ’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ንምርጫ ኢሎም ዝተኣከቡ ሓለፍቲ ከምኡ ኢሉ ምዝራቡ ካልእ ዕላማ ነይሩዎ እንተ ዘይኮይኑ፡ ወያኔ ከይስሕቁልና ኢሉ ከም ዘይኮነ፡ ይትረፍ እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ብዙሕ ከስተውዕል ዘይክእል ገርሂ ሰብ’ውን ዝፈልጦ ተራ ዕላል’ዩ ነይሩ። እቲ ጕዳይ ጨሪሹ ከም ዝርሳዕ ክገብሮ ስለ ዝደለየ ድማ ይትረፍ ንዑኡ እተጻሪ ኮሚቴ ክረቁሕ፡ ዳግማይ ከም ኣርእስቲ’ውን ኣልዒሉዎ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኸውን ይኽእል ድማ ፍስሃየ ወልደገብርኤል ኣብ ማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤ ከይተመርጸ ዝተረፈ። ፍስሃየ ግን ቅድሚኡ’ውን ኣብ ዒላማ ኢሰያስ ኣትዩ ከም ዝነበረ ዝእምት ነገራት ነይሩ’ዩ። ንኣብነት፡ ንሱ ዝለዓለ ኣዛዚ ግንባር ክነሱ፡ እቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበረ መሪሕነት ሰልፊ ብሓደ ዘርኣብሩኽ ዝብሃል መራሕ ሓይሊ ተታሒዙ ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ምስ ላዕለዎት ናይ ሰልፊ ሓለፍቲ ዝነበሩ ዓሊብርሂምን ሳልሕ ሕሩይን ርኡይ ዝኾነ ምስሕሓባት ነይሩዎ ክብሉ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ይዛረቡ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ናይ ሰልፊ ኣኼባ ካልእ ዘስሕቕ ነገር እንተ ነይሩ ናይ ሙስጠፋን ናይ እኩድን ጕዳይ’ዩ። እዞም ክልተ ሰባት ብዝኾነ መምዘኒ ፍሉጣት ኣይነበሩን።

ኣልኣሚን፡ ወዲሰለሙንን ካልኦት ሓለፍትን ግን ካብ ዝግብኦም ንላዕሊ እናነኣዱ ኣብ ማእከላይ ሽማግለ ክምረጹ ኣለዎም ዝብል መጐተ ኣቕሪቦም። እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣባላት፡ ብፍላይ ነቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ተነፊሑ ዝቐረበ ሙስጠፋ፡ “እንታይ ዝኾነ ሰብ’ዩ ክንድዚ ከበሮ ዝውቀዓሉ ዘሎ?” ካብ ምባል ሓሊፎም ክብሉዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን። ኣንጻር’ቶም ከሃሌኵሉ ዝኾኑ ሓለፍቲ ሰልፊ ክዛረቡ ስለ ዘይከኣሉ ግን ከም ቅያር ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ክምረጽ ዕድል ረኺቡ። ሳላ’ቲ ኣብ ፖርትሱዳን ንሓለፍቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጥልዕ ጉንብሕን ፍሉይ ኣቀባብላን ከም ዝተመርጸ ምስኡ ዝነበሩ ኣባላት ዝምስክሩዎ ሓቂ’ዩ። ሙስጠፋ መንዩ? ንምፍላጥ ኣስኪ ነዚ ሓጺር ታሪኽ ንመልከት።

ሙስጠፋ[2]፡ ባዕሉ ከም ዘዕለለኒ ኣብ ሃብረሸቖ ዓንሰባ ተወሊዱ መባእታዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእ፡ ኣብ ጀራዲን ተኽረረት ከም መዓልታዊ ሰራሕተኛ ተቘጺሩ። ድሒሩ ከም ካፖ ዲ ኦራሪዮ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ ይገልጽ። ኣቐዲሙ ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ ከም ዝነበረ ክሕብር ስለ ዘይደሊ ብዛዕባ ኣሰላልፋኡ ኣይዛረብን’ዩ። ብዝኾነ ካብ ጀብሃ ሃዲሙ ብከሰላ ኣቢሉ ኣብ ህሓሓኤ ምስ ተሰለፈ፡ መራሕ መኪና (ሎሪ) ብምዃን ካብ ፖርትሱዳን ናብ ማህሚመት ክመላለስ ጀሚሩ። ብዙሕ ከይደንጐየ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሎሪ ብምውዳብ ኣብ ማህሚመት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት፡ “ኣብ ፖርትሱዳን ምውፋር ክህሉ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን፡” ዝብል ጐስጓስ ጀሚሩ። ብኡንብኡ ድማ ከም ሓላፊ ምውፋር መካይን ኣብ ፖርትሱዳን ተመዲቡ። ኣብቲ ምስ ቤትጽሕፈት ዝግበር ዝነበረ ናይ ክልተ ቕነ ኣኼባ ግን ኣብ ክንዲ መዛረቢ ክኸውን ዝኽእል ሚዛን ዘለዎ ነጥቢ ዘልዕል፡ “እከለ ሰቲኻ፡ እከለ ድማ ኣምሲኻ ኣቲኻ፡” እናበለ ነቶም ኣባላት ቤትጽሕፈት ኮፍ ምባል ከልኦም። እቲ ዘገርም ንባዕሉ እናሰተየን እናዘወረን ከሎ’ዩ ከምኡ ዝብል ነይሩ። መሰተን ዙረትን ድማ ክልኩል ኣይነበረን። ይትረፍ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት፡ ካብ ሜዳ ብስራሕ ዝመጽኡ ሓለፍቲ’ውን፡ ናብቲ ብስም ሕላ ዝፍለጥ ፋይቶት ዝርከባኩ ዴምራምላ ምስቶም ነባራት ተጋደልቲ ዘወር ይብሉ ነይሮም’ዮም። ንሙስጠፋ፡ “መስተ ደኣ መን ዘይሰቲ? ሰብ ሃዊኽካ በለኒ ክሰምዓካ፡ ካብኡ ተረፈ ንስኻ እናሰተኻ ብኸመይ መንገዲ ሰቲኻ ትብለኒ ኣለኻ?” ክብል ደፊሩ ዝመለሰሉ እንኮ ንጡፍ ካድር መሓመድ ሽፋ ጥራይ ነይሩ። በዛ ምኽንያት’ዚኣ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙስጠፋ ስለ ዝኣተወ ብዙሕ ከይደንጐየ ናብ ሜዳ ከም ዝቕየር ተገይሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ብኸምዚታት ዝተሰናበዱ ኣለም ሪኮን ጀማልን ዝተባህሉ ክልተ ሰባት ንሜዳ ተቐዪርኩም ምስ ተባህሉ በቲ ልሙድ ኣዘራርባ ሰሊሞም። ናይ ሙስጠፋ ጸቓጥን በለጻውን ባህሪ ብዙሕ’ኳ እንተ ኾነ ነቲ ፈፍሩዩ ጥራይ ክጠቅስ።

ድሕር’ዚ ፍጻሜ’ዚ፡ ሙስጠፋ ንላዕሊ ብምድያብ ናብ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ዝነበረ ዓሊ ጃብር ኣተኰረ። ዓሊ ጃብር፡ ኣብ ከበሳ ምስ ዝነበራ በጦሎኒታት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ፖርትሱዳን ዝተላእከ ዓቢ ተስፋ ዝተነብረሉ ካድር’ዩ ነይሩ። ከም ሰብ ቅኑዕ፡ ተባዕ፡ በሊሕን ትሑትን ስለ ዝነበረ፡ ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ ሰብ ኣይነበረን። ሙስጠፋ ሓላፊ ምውፋር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ውድባዊ ጕዳያት ብመንእሰይ ዓሊ ጃብር’ዩ ዝእዘዝ። ሙስጠፋ ካብ መጠን ዝሓለፈ ናይ ሓላፍነት ህርፋን ስለ ዝነበሮ ግን ንዓሊ ጃብር ክኣሊ ተዓጢቑ። ኣንጻር’ቲ ህቡብ ዝነበረ ዓሊ ጃብር ከጐሳጕስ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈለጠ ግን ተንኰል ክምህዝ ነይሩዎ። ኣብቲ ግዜቲ መርዓ ተፈቒዱስ ብዙሓት ተጋደልቲ ተመርዕዮም ዝወለዱ’ውን ነይሮም። ዓሊ ጃብር’ውን ከም ሰቡ ምስ ሓንቲ ካብተን ኣብኡ ዝነበራ ሓፋሽ ውድባት መንእሰያት ዝምድና ጀሚሩ ነይሩ። ሽዑ ምስ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ዝግበር ዝምድና ንመርዓ እንተ ዘይኮይኑ ንኻልእ ከቶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ዓሊ ጃብር ምስታ ጓል ዝነበሮ ርክብ ከማእክሎ እንተ ኾይኑ ግን ኣብ ሜዳ ናብ ዝነበሩ ሓለፍቱ ጥራይ’ዩ ከማእክሎ ዝኽእል። ነዚ’ውን ቀስ ኢለ የርክበሉ ኢሉ ይኸውን። ንዝኾነ ሰብ ከይሓበረ ድማ ምስታ ንሓዳር ዝደለያ ጓል እቲ ልሙድ ናይ ፍቑራት ዕላል ኣማዕቢሉ።

ሙስጠፋ ነዛ ወርቃዊት ዕድሉ ዝቘጸራ ጕዳይ ብምምዝማዝ፡ ነቲ ሓንሳብ እንተ ቐሪቡካ ዝበልካዮ ዝኣምን ሓላፊ ባሕርያን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ንዝነበረ ካሪካረ፡ “ዓሊ ጃብር ምስ ሓንቲ መንእሰይ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ዙረት ጀሚሩ ኣሎ። ጽባሕ ንግሆ ገለ ነገር እንተ’ጋጢሙ ውድብ ክባላሾ’ዩ። እዚ ነገር’ዚ ምስ ባህሊ ናይ ሕብረተሰብና ስለ ዘይከይድ ገለ ነገር ክግበር ኣለዎ። ዓሊ ንእስነት ስለ ዘለዎ ክጋገ ይኽእል’ዩ። ጽባሕ ንግሆ ሓደ ነገር እንተ’ጋጢሙ ስድራኣ እንታይ ክብሉ’ዮም…፡” ዝብል ቃላት ብምድርዳር ፈትዩ ክሳብ ዝጸልእ ምስ ቀብቀቦ፡ ካሪካረ ብዛዕባቲ ጕዳይ ከየጻረየ፡ ኢሳያስ ኣብ ናይ በርሊን ኣኼባ ወሪሑ ኣብ ፖርትሱዳን ምስ ኣተወ ነቲ ጕዳይ ደርጐሓሉ። ሽዑ ኢሳያስ ምስ ኣልኣሚን ሓቢሩ ናብ ቦታና መጺኡ ነይሩ። ምሸት’ዩ ነይሩ፡ ሻሂ ከም ዘፍላሕናሎምን ኢሳያስ ካባይ ትምባኾ ብምውሳድ ሰፊፉ ከም ዝነበረን ጽቡቕ ገይረ’የ ዝዝክሮ። ሃሩር ስለ ዝነበረ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘይኮነ ኣብ በረንዳ ደው ኢሎም’ዮም ሻሂ ሰትዮም። ኣብ ሳልስቱ ኢሳያስ ንካሪካረ፡ ንሙስጠፋን ንዓሊ ጃብርን ኣኪቡ ኣዘራረቦም።

ዓሊ ጃብር ምስታ ጓል ወሲብ ይፍጽም ከም ዘሎ ዘስምዕ ክሲ ምስ ቀረበሉ፡ “ኣነ ምስዛ ሰብ’ዚኣ ዝምድና ኣሎኒ። መርዓ ዘፍቅድ ውድባዊ መምርሒ ስለ ዘሎ እንታይ ዘይገበርካ’የ ዝብሃል ዘለኹ፡” ብምባል ተሪሩ ኣብ ክንዲ ዝቃወም፡ መስኪናይ ግርህነቱ ኣጥቂዑዎ፡ “ኣነ ነዛ ሰብ’ዚኣ መሸኒተይ ትቈረጽ ዘይተንከፍኩዋ፡” ዝብል የዋህ መልሲ ጥራይ ሃቦም። ኢሳያስ ካልእ ዘረባ ኣይወሰኸን። “እሞ፡ ሕጂ ንሜዳ ተቐዪርካ ስለ ዘለኻ ክትብገስ ኢኻ፡” ዝብል ትእዛዝ ሃቦ። እቲ ኣዝዩ ተባዕ ዝነበረ ዓሊ ጃብር ድምብርጽ ኣይበሎን። “እንሃልኩም መፍትሕ መኪና፡ ሕጂ ክብገስ ድሉው’የ፡” ብምባል ንጽባሒቱ ንሜዳኡ ተበቍጹ። ቀቅድሚ ምዝላቕ ኣብ ከባቢ ወኪ ብጅግንነት ከም ዘተሰውአ ድማ ድሒረ ፈሊጠ። ድሕሪ ዓሊ ጃብር፡ “ቤትጽሕፈት መን ይሓዞ?” ዝብል ሕቶ ብካሪካረ ናብ ኢሳያስ ዝቐረበ ሕቶ ነይሩ። ኢሳያስ፡ “ሙስጠፋ ግዝያዊ ሓላፊ ይኹን፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃቦ። ሙስጠፋ ንጽባሒቱ ሳንጣኡ ኣንጠልጢሉ ካባና ናብ ቤትጽሕፈት ገዓዘ። ኣብ ሳልስቱ ድማ ክንዲ ዘምቢል ዝኸውን ዕማመትን ጀለብያን ተኸዲኑ፡ ጉዕ ዝሕብራ ሓዳስ ፊያት 127 ሒዙ ኣብ ጥቓ ቤትጽሕፈት ረኸብናዮ። ንዘይፈልጦ ሜስ የጥርጦ ከም ዝብሃል፡ ንሰሙን ዝኣክል ዳርጋ ምሸታዊ ናብ ቦታና እናመጽአ ብዛዕባ ኣብ ዓዲ ዝነበረ ኵነታት ቈልዕነቱን ኣብ ሕላ ዝፈጸሞ ቅለትን ከዕልለና የምሲ ነይሩ።

ሓይሊ ነገር ናይ ዕላሉ፡ “ቀደም ኣብ ሃብረሸቖ ከለና ጀብሃ መጺኦምናስ፡ ኣብ ሑጻ ሊላ እናሰኣልና ክንጻወት ከለና፡ ሓደ ግዜ ንትምህርቲ እናኸድና ከለና ባቡር ትሓልፍ ነይራስ፡” ዝብል ናይ ጓሶት ሃለውለው’ዩ ነይሩ። ቅንይ ኢሉ ግን ዓቢ ጅግንነት ቈጺሩዎ፡ “ብቐደማይ ናብ ሕላ ምስ ከድኩ ሓንቲ ማራ ጽብቕቲ ረኺበ ከምዚ ምስ ገብርኩዋ . . .” ዝብል ኣብ ቅለት ዝተመርኰሰ ክትሰምዖ ዘሕንኽ ዕላል ኣስሚዑና። ንበይነይ ዘይኮነ ድማ ምስ ክልተ ሰብ ከለኹ። ንጕዳይ ዓሊጃብር ብዝምልከት ድማ እታ፡ “መሸኒተይ ትቈረጽ ኢሉ፡” ትብልን ምስኣ ዝተኣሳሰር ዘረባን ምስ ካልኣየይ ከለኹ ኣዕሊሉና። ኣብ ክልተ ቕነኡ እታ ኣብ መንጎ ምውፋርን ቤትጽሕፈትን ዝነበረት ናይ ሓባር ኣኼባ ክትግበር እንተ ተጸበና ወይከ። ወርሒ ሓሊፉ ኣኼባ ግን ንሳ ዝወሰና ተሪፋ። ንሙስጠፋ መተዓብይቱን ወዲዓዱን ዝነበረ ስዉእ ዓይተርባ፡ “እዚ ሰብ’ዚ ሓደ ፈገር ስለ ዝኾነ ተጠንቀቑሉ። ትማሊ ትማሊ ኣኼባ እናበለ ትንፋስ ሰብ ኣምሊቝ ከም ዘይነበረ ሕጂ ግን መታን ንሱ ከይንቀፍ ኣኼባ ኣትሪፉዎ ኣሎ፡” ክብል ዝተዛረበና ክሳብ ሎሚ ኣይርስዖን’የ።

ጉድ ሙስጠፋ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ድሒሩ ዝቐጸለ ዓመታት፡ ቤትጽሕፈት ፖርትሱዳን ናብ ካዚኖ ቀዪሩዎ ነይሩ። ምሸት መጽአ ጋሎን ኣረቂ ልዕሽ ሸሚቱ ኮንዲሽነር ኣብ ዘለዎ ገዛ ምስ ዝቐርባኦ ደቂኣንስትዮ ኣንስቲ ሓዳር ከይተረፋ ክዕንድር ይሓድር ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ከም መታወኒ ዘገልግሎም ዝነበረ ላዕለዎት ጐይቶቱ፡ ስለቲ ፍጹም ምእዙዝነትካ ኢሎም ስልጣን እንተ ሃቡዎን እንተ ወደሱዎን ዘገርም ኣይኮነን። ደሓር ከኣ በዓል ኣልኣሚን ይኹን ካልኦት ሓለፍቲ ከይተረፉ ናብ ፖርትሱዳን እናኽመጽኡ ምስኡ ዓዕ! ክብሉ ዝሓድሩ እንተ ኾይኖም እንታዋይ ሰብ’ዩ ደፊሩ ክትንክፎ! ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕማቕ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ግን ብህግደፍ ውፉያት መራሕቲ ተባሂሎም ቦታ ስለ ዝረኸቡ፡ ገና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይሸይ ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ሙስጠፋ ኣብ ፖርትሱዳን ከሎ ኣብ ብዙሕ ንብልሸውና ዝምልከት ጕዳይ ከም ዝኣተወ ዝሕብሩ ሰባት ክህልዉ ከለዉ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓሰብ ይኹን ኣብ ባረንቱ ርኡይ ዝኾነ ምጥፍፋኣት ከም ዝፈጸመ፡ ቀንዲ ኣጫፋሪ ናይ ኢሳያስ ስለ ዝኾነ ግን ዝትንክፎ ሰብ ከም ዘይተረኽበ ይፍለጥ። ናይ ዓሰብ ጸብጻቡ ናብ ሚ/ፋይናንስ ቀሪቡ ከብቅዕ’ውን ብሕጊ ኣይተሓተተን። ኣመሓዳሪ ባርካ ተመዲቡ እናሰርሐ ከሎ፡ ቀዳመ ሰንበት ካብ ሃብታማት ዝገሓጦ ሳምሶናይት ዝመልአ ገንዘብ ሒዙ ናብ ኣቑርደት ብምኻድ፡ ካብ ከረን ምስ ዝመጽኡ ዓበይቲ ነጋዶ በብሰለስተ ሽሕ ብር ካርታ ክጻወት ይቕኒ ነይሩ።

ሙስጠፋ ሓንሳብ ሓንሳብ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ’ውን ኣብ ጐልደን ሆቴል ምስ ዓበይቲ ሓለፍቲ ካርታ ይጻወት ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ነዚ ዕላል’ዚ ዘዕለለኒ ምስኡ ካርታ ዝጻወት ዝነበረ ሰብ፡ “ሙስጠፋ ዝተበልዐ እንተ ተበልዐ ቅጭች ይብሎ ኣይነበረን። ክገርመካ ሓደ መዓልቲ ዳብል ጆከር ከም ዝተዓደልኩ  ከየስተውዓልኩ ጸወታ ገለ ኣርባዕተ ጂሮ ቀጺሉ። ርእይ ምስ ኣበልኩዎ ጆከር ክድርቢ ሓሲበ። እንተ ኾነ ቀዲሞምኒ ከይውድኡዋ ስለ ዝፈራሕኩ ከም ቅጽበት ኣእዳወይ ፈጥፈጥ ክብለኒ ጀሚሩ። ክልተ ሰለስተ ጂሮ ምስ ተጸበኹ ጆከር ብምድርባይ 18 ሽሕ ናቕፋ (ዳርጋ 3 ሽሕ ዶላር) በሊዐ። ሙስጠፋ ኣይዓጀቦን፡ ‘እዚ ሰብ እዚ’ኮ ሰይጣን’ዩ’ ኢሉ ጥራይ ስሒቑ ጸወታ ድማ ከም ንቡር ቀጺሉ። ሽዑ ብርክት ዝበሉ ኣብ ከረን ዝነበሩ ሃብታማት ኣዕሩኽ ከም ዝነበሩዎ ይፍለጥ። ኮንትራክተራት ድማ ብጥቕሞም ሒዞሞ ነይሮም፡” ክብል ምስ ሙስጠፋ ዝነበሮ ፍሉይ ተሞክሮ ይገልጽ። ናይ ሙስጠፋ ገበናት ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ንናይ ቀረባ ቤተሰቡ ዘይግቡእ ናይ ሕርሻ መሬት እናሃበን ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናኸወለን ከሎ ንኻልኦት ሓልፋይ ዘይብሎም መሳኪን ዜጋታት ‘ደቅኹም ናብ ሳዋ ኣይሰደድኩምን’ እናበለ ይኣስርን ይመቁሕን ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ምስ መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ከም ሕሱም ስለ ዝተገራጨዉ ናብ ዞባ ደቡብ ተቐዪሩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ዝፈጸሞ ገበናት ብርክት ዝበለ ኮይኑ ከም ወካሊ ኣብነት ጥራይ ነዚ ዝስዕብ ክገልጽ። ደቆም ካብ ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ገንዘብ ምኽፋል ክጅመር ምስ ተደልየ፡ ምስቲ ስስዐ ናይ ሙስጠፋ መፈተኒ ክግበር ተደልዩ። እቲ መምርሒ ብሕጋዊ ኣገባብ ከይበጽሖ ከሎ መደብ ከም ዘሎ ጥራይ ብሕሽዅሽዅ ከም ዝሰምዕ ድማ ተገብረ። ኣይተ ሙስጠፋ ኢሳያስ ኮርዒዳ መታን ክብሎ፡ ንዞፕባ ደቡብ ከም ቅጽበት ቀውጢ ገይሩዋ። ህዝቢ ደቡብ ድማ ብዝኸውንን ዘይከውንን ደቅኹም ኣህዲምካ እናተባህለ ክንደይ ገባራይ ዘይተመቕሐ፡ ክንደይከ 50 ሽሕ ዘይከፈለ። ህዝቢ “እቲ መምርሒ ንህዝቢ ደቡብ ጥራይ ድዩ? ስለምንታይ ንሕና ጥራይ ንሕተት? ደቅናኸ ካብ ኢድኩምዶ ኣይኮኑን ዝሃደሙ?” ኢሉ ሓቲቱ’ኳ እንተ ነበረ እቲ ምስሉይ ሙስጠፋ፡ “ህዝቢ ደቡብ ካብ ግዜ ሰውራ ኣትሒዙ ኣብነታዊ ስለ ዝኾነ በዚ ክንጅምሮ ተኣዚዝና” ዝብል ዘይተባህሎ ናይ ተንኰል መልሲ ሂቡ። እዚ ዕላል ምስኡ ኣብቲ ምምሕዳር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ዝሰማዕኩዎ ኮይኑ ከም ታሪኽ ዓቢ ኣገዳስነት ኣልዩዎ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ ከም መሳርሕቲ ሒዙዎም ዝነበረን ዘሎን ሰባት እንታይ ዓይነት ብደም ስዉኣት ዘሽካዕልሉ ከም ዝኾኑ ንምሕባር ዝኣክል ጥራይ ተዘርዚሩ ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ።

 

*          *          *

 


[1] የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ዝፈልጡዎ ሰባት፡ ኣብ ኣመሪካ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ሰንበት ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ቅድሚ ምእመናን ወጺኡ ከም ሰቡ ቃል ኣምላኽ ከስምዕ ምስ ፈተነ፡ ገለ ካብቶም ጸዓዱ ምእመናን፡ ‘እንታይ’ዩ ደኣ ዝመስል? ማንኪ!’ እናበሉ ብዛዕባኡ ከሕሸዅሽዅ ምስ ሰምዖም፡ ‘ኣብ ሃይማኖት’ውን ኣፈላላይ ዓሌት ኣሎ ድዩ?’ ብምባል ተስፋ ቈሪጹ። ነታ ካብ ነፍሱ ፈልዩዋ ዘይፈልጥ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምድርባይ ድማ ማርክሰ ሌኒንነት ምንባብ ተተሓሒዙዎ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኣብ 1976 ኣብ ውድብ ህግሓኤ ክስለፍ ክኢሉ። የማነ ናይ መንነት ቅልውላው ከም ዘለዎ ዝዛረቡ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።

[2] ሙስጠፋ ንጕጅለ 15 ብክድዓት ሃገር ወንጂሉዎም ከብቅዕ ኣብቲ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ብጅግና ወዲዓሊ ዝተፈተነ ንለውጢ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ኢድ ነይሩካ ተባሂሉ ከም ዝተኣስረ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
89 COMMENTS
  • belay nega February 1, 2014

    Dear Mighty

    “Ato Belay,
    I didn’t mean it in a bad way.”

    You never being bad.But watch out of that evil,whom you do not have much in common with.

  • Tezareb February 2, 2014

    Well said,

    ዝኸበርካ እስቲፋኖስ፣

    ታሪኻዊ ጽሑፍካ ኣዝዩ መሳጥን መሃርን ስለዝኾነ ምስጋና ይብጻሕካ። ብዛዕባ ኣሰራርሓ ምስጢራዊ ሰልፊ ናይ ውድብን ገለ ኣባላቱን ብፍላይ ናይ ሙስጠፋ ኑርሑሸን ኣዝዩ ዘጉህይ እዩ። ሙስጠፋ ኑርሑሸን ኣዝዩ ፈገር ተበላጽን ጨካንን ሰብ ከም ዝነበረ ካብ ኣብ ዞባ ጋሽ ዝነበሩ ነጋዶ ብእዝነይ ሰሚዐዮ እየ። ንኻልእ ሰብ እንዳኸልከለ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ጋሽ ባርካ ንሕርሻን ንቤትን ዝኸውን መሬት ፈቐድኡ ይዕድል ኔሩ። ኣብ ዞባ ደቡብ ተቐይሩ ውን በሰዓብቱ ጌሩ ዘስዓቦ ዕንወት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።
    ኣብ መበል ዕስራ ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ገንዘብ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ኣዝዩ ብዘለዓለ ኣብ መንደፈራ ከም እተኸብረ ኣብ ቲቪ ኤረ ርኢኽሞ ትኾኑ። ከም ልምድን ጉብእን ድማ ኣብ መንደፈራ ብኽልተ ብሄራት ኤርትራ ማለት ትግርኛን ሳሆን፤ ብባህላዊ ሙዚቃ ሳዕሲዕት ድራማ ምርኢት እዩ ዝኽበር። ከምቲ ኣብ ካልእ ዞባታት ዝግበር፣ እቲ መግለጽታት ጽምብል ብናይ ዞባታት ቋንቋታት እዩ ዝካየድ። ውሳነ ኣዳላዊት በዓላት ድማ ብቋንቋታት ሳሆን ትግርኛን ምድላዋታ ኣጽፈፈት። ወዮ ሙስጠፋ ኑርሑሸን ግና ነዚ ብምስራዝ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ጥራይ ከምዝኸውን ኣዘዘ። ብዙሓት መንእሰያት ሳሆ ግና ኣዕዘምዘሙ ባህ ከምዘይበሎም ውን ገለጹ። ንሰብ ኩሉ ዝገረሞ ግና ዘቆናጽብ መልሲ ኣይተ ሙስጠፋ እዩ፣ “ቋንቋ ሳሆ ንስታድየም መንደፈራ ኣይበቅዕን እዩ።”

    • MightyEmbasoyra February 2, 2014

      ሕጂ ስሒኑዋ!

      • belay nega February 2, 2014

        Dear Mighty

        “ሕጂ ስሒኑዋ!”

        “የነ ጉድ አገር ጎንፎ:እያደረ ይፋጃል”

        ኢድ ገዲፍካ በትሪ ዝናአደሉ
        ላአኻይ ረጊምካ መልእኸእተኛ ዝምረቀሉ

        ሙስጦፋ አብ መሬት ስሒኑዋ
        ወዲ ዓሊ ግን: ነብሰ ቅትለት ሓጥያት ስለ ዝኾነ: ብሰማይ’ውን ክስሕና እዩ

        • MightyEmbasoyra February 3, 2014

          Ato Belay,
          I am definitely can say that you are smarter than that.
          Wedi Ali is a hero, as you can see people are contributing as much as they can to his family. it is much much less than he deserved but never the less.
          Mustafa (have God mercy on his soul) has a phase lag of 180 degree (without saying that much).
          I still have faith on you, Ato Belay. You are not that bad but gave up on the opposition. You hinted that you live in the God blessed land of the USA, but you still have a concern of regionalism (of course I could be wrong).
          Can you believe when some people feel that they are different from other regions’ (awrajas) of eritrea. I drive about 60 miles to work, every day. That means I cover at least 3 regions of Kebessa Eritrea. You tell me what’s wrong here. I said it is just pure ignorance.

          • Teclay February 3, 2014

            Mighty
            It is good that you see our country Eritrea in relative were you live.And go farther for example in Us You can work and live in California or in New York:Now we Africans do we need these 54 the so called sovereign countries? 6 or 5 countries were not enough`? what about our 50 years madness? and no light at the end of the tunnel ,,may be Eritrean ppl in general, and the Kebessa in particular is the stupidest ppl in the world

          • belay nega February 4, 2014

            Dear Mighty,

            As I always mention it,I have a big reservation to the Eritrean politics in general,and the arm struggle in particular.I wish it never existed.As far as the January 21/13 operation is concerned no body can prove it with evidence what they were up to.However if Mustafa and wedi Ali were reading in the same page,what is the reason for them to be treated diametrically different?
            Yes I live in USA,and I always say may GOD bless it. But in our country, as you can agree in private with me, the saddest part we facing is that Eritrea is no more an issue, but a proxy of AWRAJA and RELIGION.Yes it is ignorance but that is the reality.

  • rezene kidane February 3, 2014

    ኣንታ ክንደይ ትግዕዚ ኢኻ! ምዉት ኣይክሰስን እዩ ዝብሃል። ጥር ኢልካ ንስዉእ ምኽሳስ እንታይ ኣምጽኦ?? ኢዱ ዘይሃበ ዲኻ ደሊኻ ኣብ ልዕሊ ስዉእ ክንድዚ ሰልበጣ ትውርውር! ሃየንታ ዘይብሉ ሰብ! ዘኽፍኣሉን ዘጸብቐሉን ዘይፈልጥ!

POST A COMMENT