Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምኣስ’ያ ትመጽእ’ዛ ጽባሕ!

ምኣስ’ዩ ህዝብና ንጸልማት ዝገልህ ናይ ሓርነት ጥዋፍ ዘብርህ ምኣስ’ዩ ንዳግማይ ግዜ ታሪኽ ዝሰርሕ ምኣስ’ያ ትመጽእ’ዛ ጽባሕ! ምኣስ’ዩ ምክልኻል ሰራዊት ዝነቅሕ ዝተኣስረሉ መቑሕ ዝሰብር ናይዚ ብዘይፍጸም መብጽዓ ሓሶት ዘደናገር ብኩናት ወረ ኩናት ንሃገር ዘሸብር   ኣረመኔ ስርዓት ክቕዘፍ ዝነበር!? ምኣስ’ዩ መንእሰይ መጸዋዕታ ህዝቢ ዝስምዕ ከም ጅግና

ምኣስ’ዩ ህዝብና ንጸልማት ዝገልህ

ናይ ሓርነት ጥዋፍ ዘብርህ

ምኣስ’ዩ ንዳግማይ ግዜ ታሪኽ ዝሰርሕ

ምኣስ’ያ ትመጽእ’ዛ ጽባሕ!

ምኣስ’ዩ ምክልኻል ሰራዊት ዝነቅሕ

ዝተኣስረሉ መቑሕ ዝሰብር

ናይዚ ብዘይፍጸም መብጽዓ ሓሶት ዘደናገር

ብኩናት ወረ ኩናት ንሃገር ዘሸብር   ኣረመኔ ስርዓት ክቕዘፍ ዝነበር!?

ምኣስ’ዩ መንእሰይ መጸዋዕታ ህዝቢ ዝስምዕ

ከም ጅግና ወዲ ዓሊ ወጊኑ ዝልዓል

ምኣስ’ዩ መንእሰይ ሞቱ ህየቱ

ምስቶም ንህዝቢ ከድሕኑ ዝቃለሱ ምዃኑ

ህዝቢ ብተስፋ ይጽበዮ ከም ዘሎ ኣሚኑ

ህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን ዝዕጠቕ

የለን ድዩ ንምክሓሉ ዝነበርና ጅግንነት

ስለ ምንታይ ኢዩ ኢሳያስ እናዘረጎ ዓይኑ ዝዕመት

‘ኣነ’የ ዝፈልጠኩም

እምበር ኣይትፈልጡንን ኢኹም

ንኣይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ!

ከይወዓልኩ ከይሓደርኩ ዝኸፍቶ መሳኹታ

ኣነስ! ብቅዋም ክእሰር ክሰንከት ከም ጣይታ

በቲ ከይተኣወጀ ዝመተ! ዝቐበርኩዎ ኣብ ባይታ

ዓሻኹም ድለዩ ዘምሩ ንዓመታ! ንዓመታ!

ን 25 ዓመታት መመላእታ!’

እናበለና እናሽካዕለለስ ምእላዩ ስኢና

ርግጽ 25 ዓመት ኢዮበልዩ መዓልቲ ናጽነትና’ዩ ብዓልና

ግን ብሰንሰለት ህግደፍ ተቛሪና ነብዕዕላ ስለ ዘለና

ሓርነት ዘይብላ ናጽነት ስለ ዝኾነትና

ይመረና’ዩ ዘሎ ደም የንብዓና

ሓጥያትና ድዩ ብዚሑ ግዜ’ዩ በዲሉና

ምስ ህልዋት ዲና ምስ ምውታት ዘለና

ዝወርደና ግፍዒ ጭንቅና ሕልሚ’ዩ ከይብሃል

ምስ ወግሐ ጋህዲ ኮይኑ ይቕጽል

ትዝክሩዎ ዶ

እዚ ንጥፍኣት ዝተዓጥቀ ስጋ ዝለበሰ ሰይጣን

ክሳብ ሎሚ ዘይረኽብናሉ ዘንፍጽ ዕጣን

‘ኣስመራ ጫካያ ኮይና ዘላ!’

ብማለት ምስ ዝሓንሓነላ

ጫካ ኮይና ስለ ዝተራእየቶ ነዚ ሽፍታ ከተማ

ንመንእሰያት ንምህዳን ተዋፊሩ ብኣልማማ

ንብዙሓት ኣብ ሳዋ ብምድጓን

ንብሃገራ ድነ ዝኸድን

ንስደት ሃጽ ዝበሉ ይዋገየሎም ምስ ራሻይዳ በደዊን

ነቲ ዓለም ዘረጋገጾ ግፍዕታት ክኽውል ክቐብር ዝጽዕር

እናስገደደ ዘፈርም ናይ ሓሶት መሰኻኽር

ምድንጋር ከይኣኽሎ ንግሩሃት

እናምሓለ ብስዉኣት

ስልጣን ህዝቢ ብሓይሊ ወኒኑ

ህዝቢ የጥፍእ’ሎ ሃገር የዕኑ

ዕሹራት ፈኒዩላ መሬት

ግፍዕታት ፈጺሞም ብጸልማት

ናብ ወጋሕ ትበል ለይቲ ይጎዩ ናብ ሸኾርተት

ከም ዝብኢ ከይወግሐ ይሕብኡ ኣብ ብዓቲ

ክሳብ ምሸት ብከበሮ ዝጽዉዑ ከም ዛርቲ

ግን ዋላ መሬት ከም ዕንቁ እንተ ጸበበት

ዓቕሊ ጽበት ስደት

ኣማራጺ ኮይኑ እንተተርእዮም ንመንእሰያት

ዝናዝገፉ መሲሉዎም ካብ ግፍዒ ጭንቀት

ደድሕርኦም’ዩ ዝስዕብ ዝኸፍአ ግፍዕታት ብኻዕበት

ሃገር ንሓደጋ ዘጋልጽ ንህዝቢ ዘጽንት

‘ንሕናስ ገዲፍናልካ ድላይካ ግበራ’ዛ ሃገር!’

ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት!

ስለዚ ክልተ ጥፍኣት’ዩ ንስደት ሃጽ ምባል

ስለዚ! ስለዚ! ዋላ መሬት ከም ዕንቊ እንተጸበበት

ካብ ኣሰር ዘይብልካ ምጽዳፍ ምጥፋእ

ከምቲ ዝመሰሉዎ ዘረጋገጹዎ ቀዳሞት፡

‘ምስ ህዝብኻ ምዓት ዳርጋ ግዓት!’ ብማለት

100 ግዜ ይሓይሽ ሞት ህየት

ኣብዛ ሓላል መሬት

ንሳ’ያ እታ ኣማራጺት ፍታሕ ዝበለጸት

ተብጽሕ ናብ ዓወት

እንተዘየሎ! ጥፍኣትና ነቀላጥፍ ከም ዘለና

ክንፈልጥ ኣለና

ስለዚ ንበላሓት ንትሓታተት!

ንላዘብ ምስዞም ብልሓት ዘይውድኦም መንእሰያት

ንርከባ ነዛ ተሓቢኣትና ዘላ ብልሓት’

ንበገሰ ክነሕጽሮ መዓልቲ ጥፍኣት

ኔው ንበሎ’ዚ ድንዕ ድንዕ ዘየድምዕ

ንግሆ ንግሆ ጽዓን ተብዕ

ንግደፎ ምኣስ’ያ ትመጽእ’ዛ ጽባሕ!

ንኹሉ ማዕረ ሓርነት ተመቓርሕ

እናበልና ካብ ምጽባይ ንሰማይ ዓንቃዕሪና

ሎሚ ርዳእ ተረዳዳእ!’ ኢልና

ብህዝባዊ ማዕበል ንገፋዕቲ ጉሕፍና

መድሕን ንትከል ከይወዓልና ከይሓደርና

ንጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝብሃል ስለ ዘይኮነ ጉዳይና

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 21 ግንቦት 2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT