Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንቕስቃስ መንእሰያት ላስቬጋስ ንለውጢ ዕውት ኣኬባ ኣካይዱ

ምንቅስቃስ መንእሰያት ላስቬጋስ ዕዉት ኣኬባ ኣካይዱ። እቲ ምንቕስቃስ ኣብ ጥርናፈን ተሰማምዕካ ኣብ ከተማካ ብሓባር ምስርሕን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብምዝታይ፤ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ላስቬጋስ ኣብ ሓደ ጽላል ብምኻን ኩሉ ንጥፈታት ከተማና ብሓባር ንምኽያድ ብምስምማዕ

ምንቅስቃስ መንእሰያት ላስቬጋስ ዕዉት ኣኬባ ኣካይዱ። እቲ ምንቕስቃስ ኣብ ጥርናፈን ተሰማምዕካ ኣብ ከተማካ ብሓባር ምስርሕን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብምዝታይ፤ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ላስቬጋስ ኣብ ሓደ ጽላል ብምኻን ኩሉ ንጥፈታት ከተማና ብሓባር ንምኽያድ ብምስምማዕ ዕዉት ኣኬባ ኣካይዱ።

እቲ ምንቕስቃስን ኩሎም ኣባላት ውድባትን ዝተሳተፍዎ ኣኬባ ብሓባር ብዘይኻ ተጠርኒፋ ኣንጻር እዚ ገባቲ ስርዓት ምዕያይ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየለ ብምስማር፡እንተተጠርኒፍናን ተሰማሚዕናን ዕድመ እዚ ስርዓት ከምነሕጽሮ ጥርጥር የብልናን ብምባል ብሓደ ድምጺ ተማሒጺኖም።ቐጺሎም እቶም ተሳተፍቲ “ኣብ ስራሕ ዳኣንበር ኣብ ምምዳር ከምዘይኣምኑ” ብምግላጽ ኩሎም መራሕቲ ወድባትን ምንቕስቃስትን ነንባዕሎም ከብ ምጥቅቓዕ ወጺኦም ኣብ ምርድዳእን ሓድነትን ኣሚኖም ነዚ ኣደርዕ ወሪድዎ ዘሎ ህዝብና ክሪኡ ተላብዮም ። ቀጺሎም እቶም ተሳተፍቲ ኣብ 21 ኽ/ዘመን ከም ምህላውና መጠን ኩሉ ኣጉል ፍልልያት ኣወጊድና ካብ ትዕቢትን ውድበይ ወድብካን ወጺእና ናይ ሓባር ደንበ ክንፈጥር ይግባኣና ኢሎም።እቶም ተሳተፍቲ ሃናጺ ርእይቶኦም ብምቅጻል ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንሓቂ ክፈርህ የብሉን ከምቲ ኤርትራ ንኩልና ማዓረ እያ እትብጽሓና ኢልና እንኣምን።እተን ወድባት ይኹና ምንቅስቃሳት  እውን ንኩልና ማዕረ ከምዝብጻሓና ብምእማን ናብ ሓደ መጺአን ዝቓለሳሉ ኣገባብ ክንፈጥር ግዜ ዘይዋሃቦ እዋናዊ ሕቶ ምኻኑ እቶም ተሳተፍቲ ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ ምንቕስቃስ መንእሰያት  ላስቬጋስ ንለውጢ  ኣብ ጥርናፈ ከምዝኣምንን ኩለን ከተማታት ከምዚ ናይ ላስቬጋስ ናይ ሓባር ጽላል ብምፍጣር እንዳዘተያ ፍልልያተን ብምጽባብ ብሓባር ብምስራሕ ኣንጻር እዚ ጨቓኒ ስርዓት ክገጥማ ብምጽዋዕ እቲ ኣኬባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ምንቕስቃስ መንእሰያት  ላስቬጋስ ንለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT