Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ቴማ Eritrea Focus ብምትሕብባር ምስ Institute of Commonwealth Studies ካብ 24-25 ሚያዝያ ኣብ ለንደን ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምሕላፍ ትማሊ ምሸት ብዓወት ተዛዚሙ።

ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ቴማ Eritrea Focus ብምትሕብባር ምስ Institute of Commonwealth Studies ካብ 24-25 ሚያዝያ ኣብ ለንደን ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምሕላፍ ትማሊ ምሸት ብዓወት ተዛዚሙ። ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዓደሙ ምሁራትን

ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ቴማ Eritrea Focus ብምትሕብባር ምስ Institute of Commonwealth Studies ካብ 24-25 ሚያዝያ ኣብ ለንደን ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምሕላፍ ትማሊ ምሸት ብዓወት ተዛዚሙ።

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዓደሙ ምሁራትን ምኩራትን ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝርከቡዎም፡ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት፡ እንተላይ ኣብ ፖለቲካ፡ ሕግን ቁጠባን ክስኣል ብዛዕባ ዘለዎ ፖሊሲን ዲሞርክራስያዊ ምሕደራን፡ ካብ 24 ክሳብ 25 ሚያዝያ Eritrea Focus ብምትሕብባር ምስ Institute of Commonwealth Studies ኣብ ከተማ ለንደን ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕታዊ ዋዕላታት ቀጻልነት ክህልዎ ብምስምማዕን ኣገደስቲ ለበዋታት ብምሕላፍን ትማሊ ምሸት 25 ሚያዝያ ብዓወት ተዛዚሙ።

በዚ መሰረት እቲ ዋዕላ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተገይሩ ዘሎ ዳግመ ርክብን ስምምዓትን ተኸታቲሉ ንህዝቢ ኣብ እዋኑ ሓበሬታ ዝምግብ፡ ኣብ ዓውድታት ሕግን ምሕደራ ፍትሕን፡ ቁጠባ፡ ሓባራዊ ስራሕ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ከምኡ `ውን ጽምዶ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኣመሰሉ ጉዳያት መጽናዕቲ ዘካይዱ ዝተፈላለዩ ንኡሳን ጉጅለታት ብምምዛዝ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ንዝካየድ ኮንፈረንስ ዘዳሉ ሓይሊ-ዕማም ተልእኾ ሂቡ።

ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኣጋጣሚ ኣቦ ወንበር Eritrea Focus ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ን ቴለቭዥን ኣሰና ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ `ካብ ውልቀ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር ዕማም ሰፊሕን ዓሚቚን መጽናዕቲ ዝሓትት፡ ተሳታፍነት ብዙሓት ክኢላታት ዘድልዮ፡ ብሓደ እዋን ዝውዳእ ዕዮ ከምዘይኮነ ብምምልካት፡ እቲ ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ዋዕላ `ናይ መጀመርያ ደኣምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን` ኢሉ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከም መቐጸላታ ናይዚ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ኮንፈረስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካልእ ተመሳሳሊ ዋዕላ ክካየድ ምዃኑ `ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ድሕሪ ምጉንጻፍ ናጽነት፡ ምሕደራ ሃገርን፡ ዝሓለፈ ዕድላትን ዝተቐስመ ተመክሮን ብዝብል ኣርእስቲ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ግዝኣተ ሕግን ምሕደራ ፍትሕን ብዝብል ዛዕባ ድማ ኣቦ ወንበር ኮምሽን ቅዋም ነበር ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ ዘቕረቡዎም መጽናዕታዊ መግለጺታት ዝርከቡዎም፡ ንዳግማይ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሃገራዊ ቁጠባ ኣብ ውሁድ ዞባ፡ ሓባራዊ ስራሕ ዲያስፖራ ኤርትራውያን፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ከምኡ `ውን ጽምዶ ምስ ኣህጉራውያን ዲሞክራስያውያን ባእታታት ዝድህስሱ ወረቓቕቲ ቀሪቦም ብተሳተፍቲ ሰፊሕ ዘተን ክትዕን ተኻይዱሎም።

እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተኸፍተሉ ዕለት፡ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዘገልገለ፡ ከምኡ `ውን ካብ 1991 ክሳብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳተፉዎ፡ ድሕሪ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክህነጽ ዘለዎ ኣሳታፊ ዲሞክራሲ እንታይ ክመስል ከምዝግባእ ዝውስን መስርሕ ምስግጋር ዘዋድድ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ዋዕላ፡ ምምስራት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽ ሃገራዊ ወኪል ጥራይ፡ ድሕሪ ውድቀት ውልቀ-ምልኪ ክስዕብ ንግጭት ከወግድ ከምዝኽእል `ውን ኣዘኻኺሩ።

እቲ ንኤርትራ ካብ 1993 ኣትሒዙ ዝመርሐ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ብምዕምጻጽ፡ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ብምቕታል ፡ ንተቓወምቱ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝመቚሖም ብምግንዛብ ከኣ፡ ኤርትራ እታ እንኮ ዝሰርሕ ቅዋም ፡ ብምርጫ ዝመጽአ ሕጋዊ ስርዓት፡ ተሓታትነት ዘአንግዱ ሕጋውን ዝሰርሑን ምሕደራዊ ትካላት ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ተሪፋ ከምዘላ ኣገንዚቡ።

ኣቦ ወንበር Eritrea Focus ብወገኑ፡ ኣብ መኽፈቲ፡ ዕላማ ዋዕላ `ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ`፡ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ተደናገጽትን ኣብ ሓደ መኣዲ ቀሪቦም፡ ኣብ ኤርትራ ክምስረት ዘለዎ ዲሞክራስን ምሕደራ ፍትሕን እንታይ ምዃኑ፡ ብዛዕባ ክውንነታውን ጭቡጥን ዕላማታት ክሓስቡ ክጅምሩ ዕድል ከምዝኸፍተሎም ኣረዲኡ።

ኣብቲ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ምንዳፍ ዝመርሐ ዶር በረኸት ሃብተስላሰ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነበረ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ከምኡ `ውን ፍሉጥ ጸሓፍን ምሁርን ዳን ኮኔል ዘለዉዎም፡ ካብ ኣመሪካ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝመጽኡ፡ ምሁራት፡ መጎሳጎስቲ፡ ኣባላት ዲያስፖራ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ክኢላታትን ዝርከቡዎም ልዕሊ 70 ዕዱማት ተሳቲፎም።

እቲ ኣብ ኣልጀርያን ሱዳንን ዝተኸስቱ ህዝባዊ ምልዕዓላት ምርግጋጽ ለውጢ ብኸመይ ክዕወት ከምዝኽእል ዝእምቱ ኣብነታት ኣብ ዝልግሱሉ ዘለዉ ኣጋጣሚ ዝተኻየደ ዋዕላ ለንደን፡ ኣድማዕነቱን ኮነ ምርድዳእ ሃዋህዉ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዝርከብ ህዝብና ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዘርእዮ ዘሎ ናይ ለውጢ ተስፋ ዘንጸባርቕ መንፈስ ዝመሳሰል እዩ ነይሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT