Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ብ 30-10-2016 ዓመታዊ ኣኼብኡ አቃኒዑ ።

ሽሕ`ኳ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ክግህደሉ ኣይከኣለን። ሎሚ በዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ሃገርና ዘይሓዝንን

ሽሕ`ኳ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ክግህደሉ ኣይከኣለን። ሎሚ በዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ሃገርና ዘይሓዝንን ዘይጒህን ኤርትራዊ ምስ ዝህሉ ሕልና ዘይብሉ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ።

ካብዚ መሪር ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ፥ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን  ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ናጽነትና ንምጒንጻፍ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ከንቱ ኮይኑ ከምዘይተርፍ ከነረጋግጽ ሃገራዊ ሓላፍነትን ግዴታን ስለዝስምዓና፥ ማሕበርና ኣብትሕቲ“ ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና ዩ ዝብል ጭርሖ“ ብተኸታታሊዝተኻየደ ኣኼባ፥ ዓመታዊ ጸብጻብን፥ ኩነታት ማሕበርን፥ ኩነታት ደለይቲ ፍትሒ አብ እንነብረሉ ሃገር ሆላንድን፥ ዓለምን ዘጣቓለለ ዓሚቚ ክትዓትን፥ ገምጋማትን፥ ሚዛናትን ዝተኻየደሉ ብዕለት 30-10-2016 ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ ። ከምኡ’ ውን ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዋሕዚ ስደትን ንምብዳህ ተጠርኒፍካ ጥራይ ከምትዕወት ብምአማንን፥ ማሕበርና ካብኡ ዝጥለብን ዝኽእሎን ምፍጻም ድልውነቱ ብምርግጋጽ፥ ንኹሎም ኤርትራውያን ደለይቲፍትሒ አብ ኩለን ከተማታት ሆላንድ ዝነብሩ፥ በቢከባቢኦም ብዝምችኦም ብምጥርናፍ  ናይ ሓባር ባይቶ ወይ ጥርናፌ ንኽህልወና ህጹጽን አገዳስን መድረኽ ዝጠልቦ ምዃኑ ብምእማን፥ ምስኩሎም ዝምልከቶም ደለይቲ ፍትሒ ፥ ተግባራውን ጋህድን ንምግባር ድልውነቱ የራጋግጽ።

ኣብ መደምደምታ ማሕበርና፥ ክትግብሮም ዝመደቦም መደባትን፥ ትልምታትን ብምሕንጻጽ ነዚ መደባት ንምትግባር ንእተዋሃህድ ሽማግለ ብምምዛዝ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

 

ንማሕበርና ዝምልከት ሕቶ ወይ ሃናጺ ርእይቶ ምስዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ኢመይል ኣድራሻ ክትውከሱና ትኽእሉ።

VEAO61@Gmail.com

 

ህዝባዊ ውዳቤ ይሰስን፥ ህዝብና ክቐስን ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ፣

 

ሽማግለ ማሕበር

ማሕበር ምጥርና ፍኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT