Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ባይቶ ስምረት ኤርትራዉያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር

ኣብ ኢንተርነት ንዘዝወጸ ጸለመ፤ መሰረት ዘይብሉ ክሲን ስጊንጢር ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋትን ምምላስ ትርጉም ከም ዘይብሉ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ግን ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ኣብ ኣእምሮ ገርሀኛታት ስንብራት ፈጢሩ ዘይተደልየ ምድንጋራት ክኸትል ስለዝኽእል ባይቶ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ነቲ ኣብዚ

ኣብ ኢንተርነት ንዘዝወጸ ጸለመ፤ መሰረት ዘይብሉ ክሲን ስጊንጢር ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋትን ምምላስ ትርጉም ከም ዘይብሉ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ግን ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ኣብ ኣእምሮ ገርሀኛታት ስንብራት ፈጢሩ ዘይተደልየ ምድንጋራት ክኸትል ስለዝኽእል ባይቶ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሓደ ኣባል ዝተጻሕፈ ዘይሓላፍነታዊ ጽሑፍ ሓላፍነት ከም ዘይወስደሉ ዝገልጽ ወግዓዊ መግለጺ ምዉጻእ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ። ቅድሚ ዝኣገረ ባይቶ ስምረት ከነጽሮ ዝደሊ ነገር እንተልዩ፤ ዕላማ እዚ መግለጺ’ዚ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኣልዒልዎም ኣብ ዘሎ ጉዳያትን ክስታትን መርገጺኡ ንምንጻር እምበር ንዝኾነ ሓሳባቱ ብነጻ ክገልጽ ዝደሊ ኣካል ኣፉ ንምዕባስ ወይ ሳንሱር ንምግባር ኣይኮነን።

ሓደ ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ተደጋጊሙ ዝለዓል ኣሰልካዪን ዘራጊን ኣጀንዳታት፤ ንተራ ኢትዮጵያ ብኣሉታ ዝርኢን ንኢትዮጵያ ከም ጠንቂ ኩሉ ሽግራት ገይሩ ዘቕርብን ኣረኣእያ እዩ። በዚ መንፈስ እዚ ተደሪኾም ነቲ ንሳቶም ጥራይ ዝሓሙሉ ዝመስሎም ጉዳይ ልኡላዉነትን ሃገራዉነትን ብምልዓል ስም ኢትዮጵያ ንዘለዎ ዝኾነ ሃናጺ ጽምዶ ብዓይኒ ጥርጠራ ዝምልከትዎን ዝኹንንዎን ሰባት ዉሑዳት ኣይኮኑን።

ዛጊት ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ መለኽቲ ስርዓታት ሓደ’ኳ ኢዱ ናብ ነብሱ ዘመልከተን ነብሱ ዝፈተሸን የለን። እኳ ደኣ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጭዋይ ናይ ደገ ጸላኢ ፈጢርካ ተቓዉሞ ህዝብታት ምልማስ ዝተለምደ ተግባራት መለኽቲ እዩ። መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ እዉን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። መሰረት ዘይብሎምን ጭብጢ ዘይርከቦምን ክስታት እናደርደርካ ንጎረቤት ሃገር ብምዉንጃል ዝእለ ምልኪ ከም ዘየለ ንጹር ክኸዉን ኣለዎ። እቲ ከም ህዝቢ ወሪዱና ዘሎ ሽግርን መከራን ብርትዓዊን ቅኑዕን ኣተሓሳስባ ተመሪሕና ምስ እንቃለሶ እምበር ነብስና ከይፈተሽና ምኽኒት ክነናድየሉ ስለዝፈተንና ጥራይ ዝፍታሕ ኣይኮነን።

ሃገርና ኣብ ከመይ ደረጃ ወዲቓ ከም ዘላ ንነብስና ከነዘኻኽራ እንተደሊና ነቲ ኣብዚ ቅንያት ብሁማን ራይትስ ወች ዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ጸብጻብ ምርኣይ እኹል እዩ። ልዕሊ 10,000 ኣብ መጋብኣያ ዘይቀረቡን ክሲ ዘይተመስረቶምን እሱራት ዝሳቐዩላ ሃገር ምዃና ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ። ድሕሪ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ን13 ዓመት መመላእታ ሃገር ብምልእታ ደንበ ሽበራን ራዕዲን ኮይና ትርከብ ኣላ። ፖለቲካዊን ማሕበረ ቁጠባዊን ቅልዉላዉ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ተሰዲዶም፤ ኣማኢት ድማ መዓልታዊ ካብ ሃገር ይወጹ ኣለዉ። ድምጺ ህዝቢ ንምዕፋን ዝምስረታ ዘለዋ መዳጎኒ መዓስከራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይብርክታ ኣለዋ። እሞ’ኸ ደኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንእትርከብ ሃገር ነድሕና እናተባህለ ከሎ ኣብ ሓሸዉየ ዘእቱ ዘይምኽኑይን መሰረት ዘይብሉን ጠቐነታት ምዝርጋሕ ንመን ኢዩ ዘርብሖ!?

ብሓምለ 2012 ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣብ ደብረዘይት ከም ዝተቓንዐ ዝዝከር እዩ። ዝበዝሑ ካብቶም ተሳተፍቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኮነ ኣብ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ዝተሳተፉ መንእሰያት እዮም ነይሮም። ኣብ ኣእምሮ ኩሉ ተሳታፊ ዝነበረ ራእይ ድማ “እዛ ብፍጹም ምልኪ መሃነና ጠፊኡዋ ዘሎ ሃገር ካብዚ ዘላቶ ኩነታት ተገላጊላ ንነብሳን ንጎረባብታን እትኾነሉ ሃዋሁ ንምፍጣር ምቅላስ” ዝብል እምበር ካልእ ኣይነበረን።

ናይ ለዉጢ ቃልሲ ቅድም ቀዳድም ዝጠልቦ ነገር እንተልዩ ናይ ኣተሓሳስባ ለዉጢ እዩ። ናብ ሕሉፍ ታሪኻዊ ጎንጽታት ብምትኳር ካብ ሓዲድ ቃልሲ ዘንደልህጽ ኣተሓሳስባ ንምዝራእ ዝግበር ሃቐነ ናይ ቃልሲ ብልሒ ዘጉትም ተግባር ስለዝኾነ ኣዕናዊ እዩ። ንሓድሕድና ዘየሰማምዕ ርእይቶታት ክህልወና ባህርያዊ ነገር እዩ። እንተኾነ ግን ዘለናዮ ዘመን፤ ምዕቡል ዘመን ከም ምዃኑ መጠን፤ ንቀንዲ ጠንቂ ሽግራትና ኣለሊናን ገምጊምናን እቲ ብልክዕ ነቲ ሓላፍነት ክስከም ዝግባእ ስርዓት መን ምዃኑ ንባዕልና ፈሊጥና ነቲ ንዓና ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ እዉን ከነፍልጦ ግቡእና ኢዩ።

ኣብዚ እንርከበሉ ዘለና ወሳኒ ታሪኻዊ መድረኽ፤ ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ተቘሪኖምሉ ዘለዉ ናይ ጭቈናን ባርነትን ኣርዑት ክገላገሉ እንተኾይኖም፤ ካብ ሃሜንነት ሓራ ዝኾነን ግብሪ ዝሕላገቱን ኣመራርሓ የድሊ ኣሎ። ንፍልልያት ናይ ምምዝማዝን ምግናንን ዝንባለታት ንዕንወት ዝዓለሙ ስለዝኾኑ ብፍጹም ክኹነኑ ይግባእ። ሓደገኛነት ህሉዉ ኩነታት ሃገርና፤ ምስ ኩሎም ናይ ቀረባን ርሑቕን መሻርኽቲ ሰላም ብሃናጺ ጽምዶ ሓቢርና ክንሰርሕን ኣብ ሰላምን ምክብባርን ዝተመስረተ ናይ ሓባር መጻኢ ክንቅይስን ዝሓትት ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

 

ኢትዮጵያ ጎረቤት ሃገር ጥራይ ኣይኮነትን። ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ናብ ቅድመ-ታሪኽ ዝዝርጋሕ ናይ ሓባር ታሪኽ ኣለና። ኣብዛ ሕማቕ ግዜ ድማ ኢትዮጵያ እያ ንስደተኛታትና ብምዕቋብን ዝተፈላለዩ ዕድላት ብምሃብን ካብተን ካልኦት ጎረባብትና ዘይረኸብናዮ ልግሲን ሓልዮትን እተርእየና ዘላ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ክልል ዓፈርን ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይን ናይ ስደተኛታት መሰሎም ተኸቢሩሎም ብሰላም ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኢትዮጵያ፤ ኣብ በረኻታት ሲናይ ብመንግስቲ ግብጺ ተታሒዞም ናብ ኢድ እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ክወሃቡ ንዝተበየነሎም ኣስታት 4,000 ስደተኛታት ተቐቢላ እዉን ኣዕቊባቶም እያ። እዛ ድኻ ሃገር ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ነጻ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ክትህብ ጀሚራ ኣላ። ድሮ’ኳ በዚ ዕድል እዚ ዝተጠቕሙ ስደተኛታት ኣስታት 2, 000 በጺሖም ኣለዉ።

ሽግር ኤርትራ ንመብዛሕትና ስደትና ክኸዉን ከሎ ንገለ ቁንጣሮ መሻርኽቲ ስርዓት ህግደፍ ድማ ገነቶም እዩ። እቶም ካብቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዝረብሑ ወገናት ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ንምግዳድ ክጽዕሩ ከለዉ፤ ብነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ  (መንግስተ ሰማያት የዋርሶ) ዝምራሕ መንግስቲ ኮነ እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንኩነታት ኤርትራ ከም ብሓዊ ዝቃጸል ዘሎ ገዛ ብምርኣይ “ጎረቤት ሃገር ሓዊ እናነደደ ከሎ ኣእዳዉና ኣጣሚርና ክንርኢ ኣይንኽእልን” ብምባል ንስደተኛታት ካብ ምዕቋብ ሓሊፉ፤ ናይ ትምህርቲን ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምዝዉዋርን ዕድላት ከም ዝኽፈተሎም ገይሩ እዩ። ነዚ ሰብኣዊ ተግባር ረሲዕካ ንምንዋሩን ንምስይጣኑን ዝእለም ተንኮል ድማ ምልክት ርትዒ ኣልቦነት እዩ።

ነቲ ብዙሓት ግዱሳት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ናይ ምትሕግጋዝን ሃናጺ ጽምዶን መንፈስ ከም ብዉዲት ዝተጎልበበ ልግሲ ጌርካ ምርኣይ ኣብ ቅሩጽ ፍርሒ (Paranoia) ናይ ዝነብሩ ሰባት ኣተሓሳስባ እዩ። ብተወሳኺ፤ ነቶም ብቅኑዕ መንፈስ ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ምስ ኢትዮጵያዉያን መዛኑኦም እናተሓባበሩ መድረኻዊ ሓላፍነቶም ዘልዕሉ ዘለዉ ኣማኢት መንእሰያት ብኽድዓትን ዉዲተኛነትን ምኽሳስ ዘይሓላፍነታዊን ዘሕትትን ጸለመ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፤ ኣባላት ባይቶ ስምረት፤ ጸዓቶም ኣጎልቢቶም፤ ንኹሎም ኤርትራዉያን መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጽላል ስምረት ዝጥርንፍ ሓያልን ስጡምን ዉዳበ ብምፍጣር፤ ነቶም ኣብ ኣኼባ ደብረዘይት ዝተነጸሩ ዕላማታትን ራእይታትን ኣብ ሸቶኦም ንምብጻሕ ከም ወትሩ ከይተሓለሉ ከም ዝጽዕሩ ደጊሞም ቃል ይኣትዉ።

ሓርነትና ናይ ግድን እዩ!

ኣባላት ባይቶ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ

ዓርቢ 10 ግንቦት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Salih May 15, 2013

    What a hell article is written toward Eritrea. How Amanuel Eyasu is crying about the development of Eritrea and wishing to support our Neighbors where all his effort work to destroy our people and Martyrs wish. This is your last cry my friend after Ethiopian dictator Meles Zenawi( Eti Wedi Kelbi AGAME) gone. Eritrea is for Eritreans not for Amanuel and like AGAMES. The only thing left about AMANuel hard work is Hiding from the youth who deceived them while they were innocents.

POST A COMMENT