Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መደረጋሕ ብስም ጎብየ

ጎብየ ወዳጀ ጎብየ መብጽዓ ኣትይለይ ክዕገስ ክጽመም ዋላ ተዛሓለ እንተበለ ለመም ቃሉ ከምዘይዓጽፍ ካብ ዝበሎ ቀደም ሕድሪ ስዉኣት ፍጹም ከምዘይጠልም ኣነ ዉን እምብዛ ኣሚነዮ ሕሉፈይ ንጹፈይ ኣሕሊፈ ሂበዮ። መሲልኒ ኔሩ ዝገምታ ጉዕዝኡ ሰረት ዘንጽፈለይ፣ ኩርካሓት መድሚዱ ሰላም ዘስፍነለይ ዕግርግር ኣህዲኡ። ግና፣ ግና ንሱ እቲ መታለሊ ንዝህመል

ጎብየ ወዳጀ ጎብየ
መብጽዓ ኣትይለይ ክዕገስ ክጽመም
ዋላ ተዛሓለ እንተበለ ለመም
ቃሉ ከምዘይዓጽፍ ካብ ዝበሎ ቀደም
ሕድሪ ስዉኣት ፍጹም ከምዘይጠልም
ኣነ ዉን እምብዛ ኣሚነዮ
ሕሉፈይ ንጹፈይ ኣሕሊፈ ሂበዮ።
መሲልኒ ኔሩ ዝገምታ ጉዕዝኡ
ሰረት ዘንጽፈለይ፣ ኩርካሓት መድሚዱ
ሰላም ዘስፍነለይ ዕግርግር ኣህዲኡ።
ግና፣ ግና ንሱ እቲ መታለሊ
ንዝህመል ገብየ መሳሊ
ካብ ዕብየት ንጥፍኣት ዝሓሪ
ዉርደት እምበር ኣይምተገብኦን ክብሪ።
ህድኣት ርግኣት ብልሃት
ምርድዳእ ምኽኣል ምጽዉዋር
ልዉህና ልቦና ትሕትና።
ፍርሒ እዩ ዝቁጸር ኣብ ቅድሚኡ
ትዕቢትን ክሕደትን’ዩ መለለይኡ
ምስኡ ዘጫፍር ወይልኡ ወይልኡ
ሰናይ ኣይርከቦን’ዩ ጥልመት’ዩ መለለይኡ።
ይብሉኻ መን ኣሎ ከማኻ
እወ ሕተቱለይ ገሪምኒ ኣሎ ኣነ
ንብሩኽ ህዝቡ ባዕሉ ዝበተነ
የጣቕዕሉ ኣለዉ ባዓል ዕነምነ
ዘናግፉ ተኾይኖም ማዓልቲ ፍርዲ ምስ ኮነ።
ጨካን እዩ ልቡ ንብጾቱ ዘይሓሊ
ሂወቶም ዝወፈዩ ኣብ በረኸታት ገድሊ
ዳግም ተረጊጾም ወለዲ ዝሳኣኑ ምቅሊ
ፈሪድዎ መንእሰይ ኣብ ባርነት ክበሊ።
እሞ ኣበይ ድኣ’ሎ እቲ መብጽዓ
ጎጆና ተሃንጸት’ዶ መሊሳ ነቂዓ
ኣእዛና ክንደይ ዘይሰምዓ
ኣዕንትና ግና ካልእ’የ ዝሪኣ
ጎብየ ሎሚስ ይኣክለካ ግደፈኒ
ቀደም ተታሊለ ሓቂ መሲልኒ
እንዳ ጸደፍካ ተሰቂለ ራኣዩኒ
መደረጋሕ ክንስኻ ጎብየ ትብለኒ።
ጉጅለ ፈጢርካ ዝሰመኻዮ ህግደፍ
ሕልና ኣልቦ፣ ምስ ዓመጸኛ ዝስለፍ
ዓድና ግደፈልና ሰዓብትኻ ሒዝካ ጽደፍ።


ኤርትራዊ ብሕልና (ኣማን ጎይትኦም) amang_777@yahoo.com
30/09/2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT