Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“መዓልቲ ናጽነት ንምኽባር፡ ሓቋፊት ደርሆይ ሸይጠያ”

  ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ 24 ግንቦት 1991፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ዝወጸላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ኣኽሊል ሃገራውያን በዓላትና’ያ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ፡ ንመሰሉን መሬቱን ከቢድ ዋጋ ስለዝኸፈለ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ 

 

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ 24 ግንቦት 1991፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ዝወጸላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ኣኽሊል ሃገራውያን በዓላትና’ያ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ፡ ንመሰሉን መሬቱን ከቢድ ዋጋ ስለዝኸፈለ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ  ጥራይ ዘይኮነ ን24 ግንቦት ክዝክራ ዝግብኦ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ፡ ከም እኽለ ማይ ክዕንገላ፡ ከም ልብሲ ክማምቆላ፡ ብዘይ ስክፍታ ክሳዱ ኣቅኒዑ ኣብ ዝደለዮ ቦታን ሰዓትን ክጓዓዘላ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ክዳነየላ፡ ብሕጊ ዘማሓድሮ መንግስቲ ዝመርጸላን እምነቱን መንነቱን ዘኽብረላን ዕለት ክትከውን ነይሩዋ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራ ናይ ዋናታታ፡ ናይቶም ዝደመዩላን ዝተሰውኡላን ደቃ ኣይኮነትን። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወከልቱ ክመርጽ፡ ክዛረብ፡ ብናጻ ክንቀሳቀስ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ክረክብን መሰሉ ክሓትትን ስለዘይፍቀደሉ፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ’ዩ ዘሎ።

ቅድሚ 28 ዓመታት፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991፡ ተጋደልቲ ብኣርባዕቲኡ ብሎኮታት ኣስመራ፡ ናብ ኣስመራ ምስኣተዉ ህዝቢ ኣስመራን ከባቢኣን፡ ብዕልልታን ናይ ሓጎስ ብኽያትን ንተጋደልቲ ክሳዶም ሓኒቁ ብምስዓምን’ዩ ልዑል ፍቅራዊ ስምዒቱ ገሊጹ። ህዝቢ ዝተኣጉደ ሞጎጎ ከይጠፍአ፡ ገዛ ከይተዓጽወ፡ ጸጉሪ ርእሲ ብፍትሑ፡ ብዘይ ጫማ እግሪ፡ ብዘይ ጉልባብ ርእሲ፡ ከም ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ጎደናታት ኣዕለቅሊቁ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ናብ መንበሪ ቤቱ ከይተመልሰ ብፍቶቱ ግዳም ሓደር ኮይኑ፡፡ ኣብ 1991፡ ህዝቢ ኤርትራ ብታሕጓስን ብናጽነትን ዘሊሉ፡፡ ኣብ 2019 ግን ንመዓልቲ ናጽነቱ ኣብ ስደት፡ ኣብ ማእሰርቲ፡ ኣብ ክቱር ድኽነት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብምብትታን ስድራቤታት፡ ብግዱዱድ ዕስክርና፡ ዘይቅዱስን ዘይንጹርን ውዕላት፡ ብፍርሒ፡ ብሓሳረ መከራ፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተኸቢቡ ንመዓልቲ ናጽነቱ የኽብር ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኩነታት ጥዕና ብሕማም ዝተደነሰት ሓትነይ ክፈልጥ ናብ ዓዲ ምስ ደወልኩ፡ ሓትነይ እናላህልሀት፡ “ሃለው መን ኢኻ” በለትኒ። “ኣነ ወዲ ሃፍትኺ’የ?” እንታይ ድኣ ካብ ተናኻሳይ ከልቢ ዲኺ ትሃድሚ ዘለኺ ኢለ ንስለ ዋዛ ሓተትኩዋ። ሓትነይ፡ “እዋእ ከልቢ ጎሮቤት እንተነኺሱኳስ ንዋንኡ’ኳ ስምዕታ ተቅርብ። ምምሕዳር ዓዲ ንመዓልቲ ናጽነት ዝኸውን ገንዘብ ብግዲ ኣዋጽኡ ስለዝተባህልና ሓቋፊት ደርሆይ ሽንቁጠ 30 ናቅፋ ከፊለ ናብ ገዛይ ይምለስ ኣለኹ” በለትኒ። ንኣፈን ዘይረኸባ ዝቁርጠምስ ንርእሰን ሻሽ መጠምጠም ከምዝብሃል፡ ብሕልፊ ኣብ ገጠራት ዘሎ ህዝብና፡ ዝርካቡ ዓያዪ ጉልበት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወይ ድማ ኣብ ስደት ስለዘሎ ብሓለንጊ ጥሜት’ዩ ዝሳቀ ዘሎ። ነዚ ሓንቲ ናቅፋ እቶት’ውን ዘይብሉ ድኻ ህዝቢ፡ ንብረትካ ሼጥካ መዓልቲ ናጽነት ኣኽብር ክትብሎ ድማ፡ ንጉስ ኣይኣዝዝ ማይ ኣይሓንዝዝ ካብ ምባል ምስ ስርዓት ህግደፍ ምምጓት ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብ ቅነ 24 ግንቦት፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ፡ ህዝቢ ዝበልዖን ዝኸደኖን ስኢኑ ብሕማም እናማሰነን ካብ ኣብ ደገ ዘለው መቅርቡ ተመጽዋቲ ኮይኑ እንከሎ፡ ንመስርሒ ዳሳት፡ መካረዪ ኣደራሻት፡ ንመግቢ፡ ሓደ ዓይነት ኣልባሳት ክኽደን፡ ንመሰለሚ ጎደናታት ገንዘብ ከዋጽእን ብጉልበቱ ክሰርሕን፡ ከምኡ’ውን ዓመት ዓመት ብህግደፍ ዝዳሎ መቁጸልጸሊ ጭርሖታትን ደርፍታትን ከጋውሕን ኣብ ጎደናታት ውሽጡ ብሕርሩ ክስእስዕን ይግደድ። ኣይፋል እንተኢሉ ድማ እተን ብመቁነን ማለት ኩፖን ዝወሃብኡ ቁንጣሮ ውሱናት ሽኮር፡ እኽሊ፡ ዘይቲ፡ ነዳዲ መሳሊ ይሕረም፡ መገሺ ፍቃድ፡ ዝሕረስ መሬት፡ ፍቃድ ንግዲ፡ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎልትን መሰላትን ይኽልከል፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ከም ተቃዋሚ ህግደፍ ተሓጽዩ፡ ንብረቱ ክዝረፍ፡ ንኽእሰር ኣብ ምክትታልንመዛግብትን ጸጥታ ይኣቱ። ወዮ ድኣ ስርዓት ህግደፍ ግሉጽነት ዘይብሉ መላኺ ስርዓት ኮይኑ እምበር፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሙይ ከብዱን ብዕሩቅ ዝባኑን እንከሎ ንመማዕረጊ መዓልቲ ናጽነት ተባሂሉ ካብ ህዝብን ካዝናታት መንግስትን ዝሃልኽ ዘሎ ጥረ ገንዘብ፡ ጉልበት ሰብን ጥረ ነገራትን፡ ጸብጻቢ እንተዝረክብ ቢልዮናት ዶላር ከምዝኾነ ዘማትእ ኣይኮነን።

እቲ ሓቀኛ ኩነታት እዚ እንከሎ እቲ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኻዕበን ዝተጸልአን ውልቀ መላኺ ስርዓት ስርዓት፡ በቲ ንዕኡ ጥራይ ዘገልግሎ ዘይእሙን መራኸቢ ብዙሓኑ ኣቢሉ፡ “ደስ ይበልካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስለዝጸናዕካን ተጻብኦታት ዝመከትካን ንኹሎም ጸላእትኻ ስዒርካ ብኽልተ እግርኻ ጠጠው ኢልካ፡ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነትካ ኣብ ትስፉው ሃዋህው ሰላም ትጽምብሎ ኣለኻ” እናበለ ህዝቢ ኤርትራ ንመዓልቲ ናጽነት ብታሕጓስን ብወለንታን የብዕሎ ከምዘሎ ይግዕር ኣሎ።  ብተወሳኺ ንይምሰል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረቆ ሃብትን ገንዘብን ገይሩ፡ ብገንዘብ ዝገዝኦምን ንመጓዝያን ንመደቀስን ከፊሉ ካብ ግዳም ዘምጽኦም ውልቀ ሰባት ብዛዕባ ኤርትራ ብሓፋሻ ብዛዕባ መዓልቲ ናጽነት ድማ ብፍላይ ጸጽብቁ ከምዝዛረቡን ከምዝጽሕፉን ይገብር ኣሎ። ንኣብነት ብኣቦኣ ኤርትራዊት ዝኾነት ትፍኒ ሓድሽ ዝተባህለት ውርይቲ ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ሓንቲ ኣብነት’ያ። ብተመሳሳሊ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ በተን ንህዝቢ ኤርትራ ስለያዊ ንጥፈታት ከካይዳን ዶላራት ክምንዝዓን ጥራይ ዝቆማ ኦምባሲታትን ቆንስላትን ስርዓት ህግደፍ ዝተዳለወ መዓልቲ ናጽነት፡ ንብረቶም ከይውረስ፡ ስድራቤቶም ከይእሰሩ፡ መገሻ ከይክልከሉን ዝተደናገሩን ኤርትራውያን ንመማቅርቲ ከምኡ’ውን ስርዓት ህግደፍ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ከምዝፍቶን ንምምሳል ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣማሓደርቲ ከተማ፡ ወከልቲ ባይቶ ዓዲሙ ዘይንሱ ክመስል ይደሊ ኣሎ። ፈራድን መዛንን ስርዓት ህግደፍ ግን ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ሓደ ክልተ ንረብሓታቶም ክብሉ ብዝህብዎ ዝንቡዕ መደረ ኣይኮነን። እንታይነት ስርዓት ህግደፍ ዝመዝን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ካልእ ክፋላት ዓለምን ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ጥራሕ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ሰብኣዊ መሰላትን፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግፋዕ ዘሎ ህዝብና ጥራሕ’ዩ መስካሪ።

ወዮ ድኣ ዓሻን ጥዒምዎ ኣሎ ዘመድ ዓሻን ከፊእዎ ኣሎ ኮይኑ እምበር፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ብዘይፍርዲ ንዓመታት ኣሲሩ እንከሎ፡ ብሚልዮናት ዝቁጸር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ከሕልፍ ኣብ ዝተቀሰበሉ፡ ኣሽሓት መንእሰያት  ካብ ትምህርቶምን ሓዳሮምን ተኾሊፎም ብዘይ ክፍሊት ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም እንከለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናዕቢ ከየልዕል ብምስጋእ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕጡቃት ወተሃደራትን ሰለይትን ኣብ ጎደናታት፡ ገጠራትን ዶባት ኤርትራን ኣዋፊርካ መዓልቲ ናጽነት ብድምቀት ተጸምቢሉ ምባል ኣምሰሉ’ዩ። 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ስደትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ዘሎ ኤርትራዊ ብሓባርን ብናጽነትን ብዋናታታ ትኽበረሉ እዋን ርሑቅ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጉልባብ መዓልቲ ናጽነት ዘላትካ ደርሆ ሼጥካ፡ ገንዘብ ኣዋጺኻ፡ ብሕዙንካን ብጥሙይካን ኣብ መቃብር ስውኣት ዓንድር፡ ሳዕስዕን ንቀታሊኻ ስርዓት ህግደፍ ወድስ ዝበሃለሉ መዋእል ከብቅዕ ክመጽእ’ዩ። ክብሪ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡፡ ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር፡፡ ፍቅሪ፡ ሰላም ብልጽግናን ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 20 ግንቦት 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT