Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መኸተ ኣንጻር ምሕሳብ

ኣማኑኤል ሳህለ ብተመክሮታትን ተምሳላትን ምስልታትን: ብምግንዛብን ምዝማድን ምንጽጻርን: ከምኡውን ብእተጠላለፈ ህዋሳዊ ፈትልታት ዝመልአ ሓንጎል ወድሰብ: ካብ ምሕሳብ ኣየዕርፍን። ሰብ: ምሕሳብ ደው ምስ ዘብል: ምንባሩውን ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያትዚ ኸኣዩ ደካርት እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ: እሓስብ: ስለዚ ኣለኹ: (cogito

ኣማኑኤል ሳህለ

ብተመክሮታትን ተምሳላትን ምስልታትን: ብምግንዛብን ምዝማድን ምንጽጻርን: ከምኡውን ብእተጠላለፈ ህዋሳዊ ፈትልታት ዝመልአ ሓንጎል ወድሰብ: ካብ ምሕሳብ ኣየዕርፍን። ሰብ: ምሕሳብ ደው ምስ ዘብል: ምንባሩውን ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያትዚ ኸኣዩ ደካርት እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ: እሓስብ: ስለዚ ኣለኹ: (cogito ergo sum) ዝበለ።

ሓንጎል ወይ ኣእምሮ ሰብ: ብባህርያቱ ተመራማሪ እዩ። እቲ ኣብ በዓቲ ዝነብር ዝነበረ ጥንታዊ ሰብ: መንየ ኣነ? ካበይከ መጺአ? እዚ ፈለግ ካበይ መጺኡ: ናበይከ ይኸይድ? ወዘተ.. ብምባል ይሓስብ ነበረ። እቲ ኣብ 21 ክፍለዘመን ኣብ ገሊኣተን ህዝበን ዘየሳትፋ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዚነብር ሰብ ድማ: መንዩ እዚ ወልቀመላኺ? ካበይ እዩኸ መጺኡ? እዚ ስርዓት ካበይ ዝመጸ እዩ: ናበይ ገጹኸ ይኸይድ ኣሎ? ብምባል የስተንትን።

ሓሳባት ወድሰብ: ከም ቀላይ ጥልቂ: ከም ሰማይ ሰፊሕ: ከም ማዕበል ዝገላበጥ: ከም ትኪ ዝበንን: ከም ሓመድ ዝብተን: ከም ማይ ዝፈልሕ: ከም ጸባ ዝረግእ: ከም እሳተጎመራ ሓዊ ዝተፍእ: ከም ድጉል ረመጽ ተቐቢሩ ዝነብር: ሓድሓደ ግዜ ህድኣትን እምነትን ዘሕድረልና: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብጭንቀትን ስግኣትን ዝመልኣና ኤለክትሮ-ማግነታውን ከሚካላውን ዋሕዚ እዩ።

እንስሳታት ስለ ዘይሓስቡ: ብዝሓለፈ ጌጋታቶም ኣይጠዓሱን: ብዚመጽእ ጸገማት ከኣ ከይደቀሱ ኣይሓድሩን። ምድራዊ ህይወቶም ግዜኣዊ እዩ። ኣባታቶም ትማሊ ወይ ጽባሕ ዚብሃል ኣምር የልቦን። ኩሉ ህይወቶም ሎሚ እዩ። ብደመነፍሲ (instinct) ስለ ዚምርሑ: ካብ ምሕሳብን ብምሕሳብ ካብ ዚመጽእ ስቓይን ቃንዛን ተገላጊሎም እዮም ዚነብሩ።

ወድሰብ ግን ኣእምሮ ስለ እተዓደለ: ካብ እንስሳታት ልዕል ዝበለ እዩ። ይኹንምበር: ኣእምሮ ደኣ ይተዓደል እምበር: ብጥርሑ ወይ ብኸምኡስ ኣይረኸቦን። ነዚ ኣእምሮዚ ብምርካቡ: ነቲ ንእንስሳታት ከይሓሰቡን ከየስተንተኑን ብደመነፍሲ ዝረኽቡዎ ቅሱን ህይወት: ካብ ህይወቱ ኣርሒቑዎ ይነብር ኣሎ። ሰብ: ኣእምሮ ኪወሃቦ ወይ ከጥሪ ኸሎ: ብተወሳኺ ንምሕሳብን: ከምኡውን ነቲ ናይ ምሕሳብ ውጽኢት ዝኾነ ምጥርጣርን ጭንቀትን ስግኣትን ኪቕበሎ ተገዲዱ እዩ።

ኣብ ዓለም: እቲ ዝኸፍአ ኲናት: እቲ ኣንጻር ኣእምሮ ዝዓለመ ኲናት እዩ። ወድሰብ ነቲ ካብ ሓንጎሉ ዚፍልፍል ሓሳባት ደው ከብሎ ኣይክእልን። እቲ ዝውሕዝ ሓሳባት ኣብ ሓደ ነገር ዝኣመነን እተደረኸን: ብሕልና እተደገፈን ምስ ዚኸውን ከኣሞ: ደው ዘይብል ጥራይ ዘይኮነስ: ነቲ ኣብ ቅድመኡ ዚጸንሖ ኩሉ መሰናኽላትን መናድቕን ጎቦታትን ከፍርስ ሓይሊ ኣለዎ። ነዚ ዓይነት ዋሕዚ ደው ከተብል ወይ ክትግድብ ምፍታን ዚፈጥሮ ውጥረትን ጸቕጥን ዓቢ ብምዃኑ: ኣብቲ በዓል ሓሳብ: ወይ ከኣ ኣብቲ ኪዓግት ዚፍትን ሰብ ወይ ኣካል: ጉድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ።

በዝን ክንድዝን ከኣዩ እቲ ሓድሽን ሱርነቀልን ሓሳባት ዝውንን ሰብ: ኣብ መወዳእታ ንሓደ ስርዓት ከዕኑዎ ዚኽእል: ወይ ድማ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ብመትከሉ ዚስዋእ።

ሓሳብ ኣዚዩ ሓያል እዩ። ብፍላይ እቲ ንሕልናኻ ዘእምን ዓይነት ሓሳባት ነቲ ዝሃቀኖ ነገራት ከይገበሮ ዕረፍቲ ኣይህብን እዩ። ኣብዚ: እቲ ጸሓይ ዘይኮነትስ ዓለም እያ እትዘውር ዚብል ደፋር ሓሳባት ዘቕረበ ጋሊለዮ ጋሊለይን: እቲ ኣመጻጽኣ ፍጥረት ኣብ ዘገምታዊ ምዕባለ እተመስረተ እዩ ዝበለ ቻርለስ ዳርዊንን: ከም ኣብነት ኪጥቀሱ ይኽእሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ምሕሳብ ዚካየድ ኲናት ብጥንቲ ዝነበረን ዚቕጽልን ባህርያውን እዩ። እቲ ነቲ ውልቀመላኺ ወይ ፋሺስታዊ ስርዓት ዘፍርሆ ዓይነት ኣታሓሳስባ ግን: እቲ ደው ኪብል ዘይክእል ናይ ሓንጎል ተፈጥሮኣዊ ከሚካላዊ ውጽኢት ዘይኮነስ: እቲ ንቓላትን ንተግባራትን ጠንቂ ዝኾነን: ኵነታት ንኽልውጥ ዘዕለብጥን ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ።

ኣባላት መሪሕነት ህግ/ህግደፍን ካድረታቶምን: ነቶም ኣብ ሜዳ ዝን ኢሎም ኪሓስቡ ዝረኣዩዎም ተጋደልቲ: ብዓይኒ ጥርጠራ ይርእዩዎም ከም ዝነበሩ ይዝንቶ። ሓሳባት ናብ ቃላት: ቃላት ናብ ተግባር: ተግባር ድማ ከም ኣድማ ኾይኑ ነቲ ኣዕኑድ መሪሕነት ኪንቕንቖ ስለ ዝኽእል: ኣብ ሜዳ: ዝን ዘብል ዓይነት ኣተሓሳስባ ክልኩል እዩ ነይሩ።

ኪድ ተንቀሳቐስ ባዕለይ ክሓስበልካ እዩ ነይሩ እቲ ምስጢር። ሓሳባት: እግሪ ኣውጺኦም ክምርሹን ንነገራት ኪልውጡን ስለ ዚኽእሉ: እቲ ውልቀመላኺ ንኽትሓስብ ኣይፈቕደልካን። ሓንጎልካ ዕጸዎሞ ነቲ መፍትሕ ኣቐብለኒ: ኩሉ ምሕሳብካ ድማ ናባይ ግደፎ: በሃሊ እዩ። ግሩም ሓላዪ!

ናይ ሓደ ሰብ ሓሳብ ምስ ናይ ካልእ ሰብ ሓሳብ ተደማሚሩ ኪጥንክር ስለ ዝኽእል: እቲ ሓሳባት ካብ እተፈላለዩ ሸነኻት ተኣኪቡ ድማ ንነገራት ከነቓንቕ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ: ኣብ ኤርትራ ተኣኪብካ ምዝታይ ክልኩልን ዘእስርን እዩ። ስለምንታይ እቲ መራሒ እናሓሰበልካ ኸሎ ተኣኪብካ ትሓስብ: እዩ እቲ ወንጀል።

ተኣኪብካ ክትሰቲ ግን ፍቑድ ጥራይ ዘይኮነስ: ብስዉር መገዲ ይተባባዕ እውን እዩ። እዚ ድማ ምኽንያት ኣለዎ፤ 1. ሰኽራም ናይ ልቡ ስለ ዚዛረብ: ነቲ ናይ ህግደፍ ካድረ: ንውሽጣዊ ኣተሓሳስባ ሰባት ንምጽናዕ የቃልለሉ 2. መስተ: ነቲ እትዛረቦን እትካትዖን ነገራት ብስምዒት ስለ ዚብርዞ: ቁምነገርን መዕለብን ንኸይህሉዎ ይገብሮ: ብተወሳኺ ድማ ናቱ ግዙእ ንኺገብረካ ኣይድንጕን። መስተን ቁምነገር ዘለዎ ኣተሓሳስባን ብሓደ ኣይከይድን።

ኣባላት ህግደፍ ግን መብዛሕትኡ ግዜ እናሰተዩ ወይ ምስ ሰተዩ እዮም ናይዛ ዝርምሱዋን ዝሓማምሱዋን ዘለዉ ሃገር ፖሊሲታትን መደባትን ዚሕንጽጹ። ውጽኢቱ ድማ ድሕረትን ድንቁርናን ስደትን ኮይኑ ተሪፉ። ብቐደሙስ ቃሕ ዝበለካ ንምግባር፡ መስተ ሰቲኻ ኣይሰቲኻ እንታይ ፍልልይዶ ይገብር እዩ? ዘይናትካ ማኪና እኮ ሰኺርካ ትዝውራ ኢኻ። እንተ ኣጓነጽካያ ኸ? ይብሉኻ። ድዋዕዋዕ ትበል! እሞ ኣነ ዘዊረያስ ከፊኡዋ ድዩ? ብምባል ትምልሸሎም።

ህግደፍ ኣብ ኩሉ ኣትዩና እዩ። ኣብ ብሑቕና: ኣብ ፍስቶታትና: ነቶም ካብ ሳዋ ዘምልጡ መንእሰያት ንምህዳን ድማ ኣብ ትሕቲ ዓራትን ኣብ ቆፎታትን።

እታ ከም ድላዩ ኪኣትዋ ዘይክእል ቦታ: ሓንጎልና እያ። ግን ንኣኣውን ብናይ ፕሮፓጋንዳን ሓሶትን ተወንጫፊታቱ ከም እትዕዘም ገይሩዋ እዩ። እቶም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ዜጋታት ከይተረፉ ካብቲ ተወንጫፊታቱ ከምልጡ ኣይከኣሉን። ኣብቲ ዕቝባ ዚሓቱሉ ሃገር ምስ ኣተዉ: ካድረታት ህግደፍ ገና ዝጎዩዎም ዘለዉ እናመሰሎም ብለይቲ ኪብህርሩ ዝሓድሩ መንእሰያት ኣለዉ። ኣእምሮኦም በቲ ፕሮፓጋንዳኡ እተለኽፈን ከም መናፍቓን ሃዋርያት እናዖዱ ኪሰብኩሉን ኪዋጥዩሉን ዚውዕሉ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ውልቀመላኺ ብካድረታቱ ገይሩ ኣንጻር ተባዕን ሃናጽን ሓሳባት መቃለሲኡ ቀንዲ ምኽንያት: ሓሳባት ኣብ ብርቱዕ እምነት ተሰሪቶም: እግሪ ኣውጺኦም ፍሑኽ እናበሉ ኣብቲ ዙፋኑ ንኸይመጹዎ እዩ። እቲ ጨቋኒ ስርዓት: ነዚ ከም ሰላሕታ ወራር ኮይኑ ዝልሑኽ ሓደገኛ ሓሳባት ንምቍጽጻር: ነቲ ናይ ሓሶት መዳፍዑን: ናይ ፕሮፓጋንዳ ሚሳይላቱን ናይ ኣኼባታትን ፌስቲቫላትን ታንክታቱን ናብቲ መንቀሊ ሓሳብ ዝኾነ ኣካል ብምቕናዕ: ነቲ ብሓሳብ ዚምክቶ ዘበለ ኹሉ: ነቲ ዚኣምኖ ነገራት ቁምነገር ከም ዘይብሉ ገይሩ ብምቕራብን: ብምንሻውን: ብምድሃልን: ነቲ ብምህሮ እተጠርየ ኩሉ ፍልጠቱ ብምስትንዓቕን ካብ ስራሕ ወጻኢ ንኺገብሮ ዘይተሓለለ ኲናት እዩ ዘካይድ።

ንሓደ ውልቀመላኺ: ብፍላይ ዘፍርሆ ነገር ወይ ዘሻቕሎ ኩነታት እንተሎ: ስቕ ዚብል ህዝቢ ጥራይ እዩ። እንታይ ኮይኑ እዩ ዘይርብሽ ዘሎ? ተመሺኡዎ ደኾን ይኸውን? እንታይ ኮይኑ ደኣዩ ከምቶም ናይ ኣራብ ስፕሪንግ ዘየዕለብጥ ዘሎ? እሞ ገለ ደኾን ይኣልመለይ ይህሉ…?

ሽዑ እቲ ቆለኡ ይለዓሎ: ጽባሕ ደቅኹም ናብ ሳዋ ኪወርዱ እዮም… ማይ ንምስታይ ከኣ ናብቲ ማይ ዘለዎ ቦታ ክትከዱ ኢኹም…. ናይ ቢሻ ወርቂ ኸኣ ዋናታቱ ከም ዘለዎ ፍለጡ…..ዚብል ደናጉላታት ይድርቢ።

እቲ ህዝቢ ትሒም ትሒም ኪብል ይጅምር: ገሊኡ ድማ ቍርምርም ይብል: ገሊኡ ድማ ሕሽዅሽዅ ይብል…. ብድሕርዚ ፊን ፊን ዚብሉ ካድረታት ህግደፍ ናብ ህዝቢ ይፍነዉ: ዘረባታትን ወረታትን ይእከብ: ኣብ ባራት እተረኽበ ምላቝ ርእይቶታት ይእረ: ናብ እዝኒ ውልቀመላኺ ድማ ይበጽሕ።

ሽዑ እቲ ውልቀመላኺ ናይ ኡፎይታ እስትንፋስ የስተንፍስ። እምበኣር ከምዚ እየን ዚብላ ዘለዋ: ካልእ ጥራይ እንቋዕ ኣይወሰኻ: ብማለት ድማ በቲ ኣብ ሓንጎል ህዝቡ ዘካየዶ ተፍትሽ ደስ ኢሉዎ: ዕለታውን መደባውን ማፍያውን ስራሑ ንግዜኡ ይቕጽል።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Zakmen August 5, 2015

    What a great read! With out a doubt this is one of the best tigrinja articles I have read.

  • stefanos menghesteab August 6, 2015

    1 ኣድናቖት ክቡር መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ብዘይቃላዓለም ለባም በሊሕ ሰብ ኢኻ ፡ ነ’ት ኣምላኽ ዝሃበካ ጸጋታት ብግቡእ ስለ ትጥቀመሉ ተሓበን ። ኣነ ከም ሰብ ብጣዕሚ ኢየ ብኣቓራርባ ጹሑፋትካ ዝግረም እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ጽሑፋትካ ነገራት ደገደጊኦም ፡ንኣብነት እዛ ቀላይ ብኸምእዚ ሩባታት ዝተዋህለለ ማያት ከዚነና ኣብ ከባቢኣ እዚዩን ከምዚዩን ይርከብ እናበልካ ከባቢአ ትገልጻ፡ ኣብ ዉሽጣ ዝርከብ ሃብቲ ኮነ ሓርገጽ ግን ብንጹር ኣይትገልጾን ኮይኑ ይርዳኣኒ ነሩ። ሕጂ ኣብዘን ዳሕረዎት ግን ንጹር ስበቱ እናዓሞቀ ዝኼኢድ ዘሎ በርቃዊን ፣ ወርቃዉን ጽሑፋት ቀጽለሉ እዋናዊ’ዩ።
    2 ለበዋ ክቡር መምህር ኣማኑኤል እዞም ብብዝሒ ብኽንደይ መከራ ናብ ኤዉሮጰ ዝኣትዉ ዘሎዉ መንእሰያትና ፡ ሓደጋ ባሕሪ ኣብ ሓጺር ዝቐትል ኢዩ፡ ኣብ ኤዉሮጰ ምንባር ካኣ ናይ ቅጥራን እናኣሳቀየ ዝዉሕጥ ባሕሪ አሎ ።እምኒ እምኒ እናረገጽካ ተጠንቂቕካ ከምዝኽየድ በቲ በሊሕን ጥንቑቑን ጽሑፋትካ ብተደጋጋሚ ኣስተምህሮ ክተልግሰሎም ይላቦ። መኽንያቱ ምንጽብራቕ ዝፈትዉ ናይ ገንዘብ ስስዔ ስለ ዘለዎም ኣብዘይፈልጥዎ ከይኣትዉ ክጥንቀቑ የድሊ ።

  • Mihreteab August 6, 2015

    Simply kubur memhir Amanuel, keep it up all the time. Don’t be like ‘alamida alamida keyida niAda”, in short Sir, please don’t disappear on us unless of some health issues or family commitments. Thanks for a great article again Sir. God bless you all the time kubur memhir nay kulu.

POST A COMMENT