Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን ንመን ምሕረት ክምነ

ጾም ከይተኣወጀ:ሕማማት ምስ ተቀላቀለ:ብሰንኪ ድበት'ታ ዒላ:ነቲ ሑሉም ሰልሙ ከይተረኣዮ ነቲ ቀጠልያ  ስበባ ዲዩስ ስቲ ኢሉ ዝደናገር ክህሉ ባህርያዊ እኳ ተኾነ:ኣብ ኤርትራውያን ምስ'ዚ ዘሎ ኩውንነት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ቁኑዕ ኣይኮነን ::ምኽንያቱ ጉዕዞ ብኣይ ተጀሚሩ ብወደይ ክዛዘም

ጾም ከይተኣወጀ:ሕማማት ምስ ተቀላቀለ:ብሰንኪ ድበት’ታ ዒላ:ነቲ ሑሉም ሰልሙ ከይተረኣዮ ነቲ ቀጠልያ  ስበባ ዲዩስ ስቲ ኢሉ ዝደናገር ክህሉ ባህርያዊ እኳ ተኾነ:ኣብ ኤርትራውያን ምስ’ዚ ዘሎ ኩውንነት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ቁኑዕ ኣይኮነን ::ምኽንያቱ ጉዕዞ ብኣይ ተጀሚሩ ብወደይ ክዛዘም ኢዩ ትብሎ ስለዘይኮነ ኣብ ኤርትራዊ ዕጫ::እቲ መለከዒ ዒያር
ብሃውሪ ትኸዶ : ብ ኣንፈት ንፋስ ትልክዖ እምበር ብልክዕ ኢቲ ቃልሲ ኮነ ኣገልጉሎት ገደብ ዘለዎን ብዕድመን ኣካላዊ ብቅዓትን ዝውሰን ስለ ዘይኮነ::ሞርኩስ ተጎዝጊዙ ካብቲ መስመር ዝተኣልየን:ክእለ ዝገማገም ዘሎን ምሕረት የውርድ ክንብሎ ይግባኦ መስለኒ::

እምበኣር ኢዚ ናይ ሎሚ ጹሑፍ መዐቀኒታትና ኣብ ቃልሲን :ቱኽረትና ኣብ መጻኢን: ካልእን ብዓቅመይ ክድህስሶ ክፍትን ኢየ::

ንሕና ኤርትራውያን መረረን ተግሳጽናን መርገምናን ምርቃን: መንግስትና ኢዩ እንብሎ ከንብጽሕ ዘይተዓደልና ኣህዛብ ኢና::ን  30 ዓመት ተቃሊሱ ደም ዘፍሰሰላ ቀያሕቲን ጸለምትን ደቁ ዝኸፈለላ ሃገር ነቲ ጸገሙን ሽግሩን ክርኣየሉ ዝግብኦ ህዝቢ:ን 30 ዓመት ተቃሊስካ ንካብኡ ዘይውሑድ ውን ብ ግዝያዊነት ክመርሓካ ኢየ ብዝብል ከይዲ ዘማረኾን መቅጻዕቲ  ፍርዲ ዝበየነሉ እንዳ ሃለወ:ነቲ ስእሊ ከይ ይረኤ ደብዛዝ ከም ዕራብ ጸሓይ ተበሃጊ ገሩ ኮሓሒሉዎ::ነዚ ክርኢ ዘይከኣለ ከም ኣብ ዳስ ሓወያ ሸረኹ ሓሊኹ ሒዙዎ::

ሑሙም  ንሑሙም ምሕረት የውርድ ክብሎ ሕማቅ ኡኳ ተዘይኮነ :ብቃንዛ ካልእ ክትቅንዞ ሙስሉይ :ዘይእመን ጽወጋ’ዩ::

መን ኢዩ ሓሚሙ?
መን ንመን ምሕረት ክምነ:?
ቃንዛ ካልእ ዶስ ቃንዛኻ?

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባና ህውከትን ቅልውላውን ሻዕላ ምስ ሰምዒ ተራኺባትሉ ዘላ ግዜ: ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ከም ጎሮባብትን የሕዋት ዝኾነ ህዝብታት ዘለወን መጠን ነዚ ዝረኽቡዎ ዘለው ሽግር ብጣዕሚ ኢና ንሓዝንን ጽቡቆም ኢና ከኣ ንምነን::ኣእኽሎ ዝሰኣነ ሽግር ስለ ዘለና ግን ቱኽረትና ኣብቃንዛና’ዩ ንብሎም::

ሽግርና ብዓብይኡ ስእነት ገንዘብን ባርነት ኣብ ህዝብን መንእሰይን:ኣብ ዞባና ከኣ ካብኡ ብዝውሕድ ግን ከኣ ሰላ ብዓቅሞም ተዛማዲ ዝኾኖም ባዕሎም ዝዓገብሉ ምሕደረኦም ተጠቂሞም: ባኒ ክትክብሮም ናብ መዳ ክወጹ ዝፍቀደሎምን:ሓደ ክሞቶም ኣውያቶም ዝስማዕን ጎሮባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ትክረት ክንህበሉ ኣይግባእን::

እቲ ዘገርም ከመይ ኣለኻ ከይትብሎ ኩስቶ ሓሚሙ ኢሉ ክዛረብ::ብዛዕባ ዝምድና ምስ ሱዳን ምስትሓቶ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሱዳን ተሓሊቁ እዞም መንግስቲ ንህዝቢ ሱዳን ኣይውኩሉን ኢዮም ክብል ዝዛረብን: ንስኻኸ ንህዝቢ ሱዳን ትውክሎም ዲኻ: ዝውክሎም ትመርጸሎም ተባሂሉ ክሕተት ኣይ ተኻእለን::ብዛዕባ ኢትዮጵያን ኣንፈቶሙን ጸገማቶምን ክዝርዝር ከሎ ከኣ :ተበታቲኖም ክብል ይዛረብ::

ንሕና ኣብ ክንዲ ብ ኤርትራ ንዛረብ ብዛዕባ ሽግራት ጎሮባብቲ ክንዛረብ :ንሱ ከኣ ሽርሒታቱ ክቅጽሎ መታን ንመግሃጺ ስጋኣ ዝተፋሕቀት ዓጽሚ ንጻንሖት ሂቡና  ክም ዘሎ ዘይምስትውዓልና ኢዩ ኢቲ  ዘገርም::ንሕና ትንተና ሽግር ኢትዮጵያን ሱዳንን ይጽነሓልና::ብዛዕባ ህዝብናን ብዛዕባ ኤርትራን ንጨነቅ:ዋናታት ኣሌውን ሱዳንን ኢትዮጵያን (ሹኮር ከቢሩ ተባሂሉ’ ሱዳናዊያን ናብ ጽርግያ ዝወጹ::
ምስቲ ብዝሖም ሓደ ሞይቱዎም ኢትዮጵያ ዝእወየሎም::ንመን ደኣልና ምሕረት የውርድ ንብሎ ዘለና::መን ኢዩ ብልክዕ ሓሚሙ:ሕማሙ ፈውሲ ዝተሳእኖ::ኤርትራን ኤርትራውያንን ደይኮነን የሕዋት::

ገለ ካብ ኣባላት ደንበ ተቃወምቲ:ተደናገጽቲ ምስ ህወታውያን ክንመስል ህወት ሰብ እንዳ በለዐ እቲ ሻርክ ንዑኡ ሞት ዘይንምነየሉ ሙኻና ኢዩ::እስያስ ስብ ኣይኮነን ክንብል :ብዓይኒ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ብዓይኒ ኣባላት ደንበተቃወምቲ ኣብ ዝብል ክንሰማማዕ ኣይከኣልናን::

እስከ ንሕሰብ
-ህዝቢ ኤርትራ ብልክዕ ቁጽሩ በቶም ኣብ ወርሒ ልዕሊ ሺሕ ዝወጹ ዘለው ዜጋታቱ’ዩ ዝቁጸር:
-በቲ ኣብ ሲናይን ባሕርን ዝጠፍእ ዘሎ ክብሩ ዝትመን ::
-ኣብ ኢስራኤል  ኤርትራውያን ባሮት ንመሽጣ  ክኾኑ ዝፈረድ:በላዒ ማህጽን ኣደታትና ወዘተ…እዚ ተሞይቱ ካለኣይ ቀብሪ ከይሓልፈና ንጭነቅ ኢና ንመስል::ንሕና ኣብ ሞቱ ከነልቅስ ዘይኮነ ኮቦሮ ክንድስቅ ሙኻና ክንኣምን ኣለና::
ኢቲ ወለድ ዘይብሉ ዕዳ ካብ ኹዳ ጂሆ ዝሕዘናን ነቲ ነጎዳ ክቃለል በቲ ዝናብ ዝፈርሕ ሰብ ክህልወና  የብሉን::ኣብ ሞቱን ኣብ ካልእ ሽጉሩን ክንሰማማዕ ኣለና::

ንሕና ካብ ከባቢና ዝፈልየና ነገር ተሎ ኢታ ናጽነትና ብትካቦ ወይ ብልመና ኣይኮናን ረኺብናያ:ኣሸሓት ቀያሕቲ ኢና ከፍልናላ ብ ኣሸሓት ከኣ ኣውሒስናያ ቀጻልነት ጠለባ ከነማልእ ጻማ ስውኣትና ብደም ከነውሕስ ሓንቲ ጥይት ተድሊያ ኣላ:ኢቲ ዘደናግር ዘሎ  ብ ሓንቲ ጥዪት  ኣርባዕተ ነጥቢ ኣብ ክንዲ ንግብረሉ ነቲ ጉዕዞ 20 ዓመት ጺሒፍናሉ::ብጽሑፍ ዝተሓልከ ቋና እምብእር ለግዒ ኣይተሓለቦን::ንሱ ኢዩ ከኣ ኢትዮጵያ ዶ ሱዳን ከምዚ ኮይና ተባሂሉ ተንተንቲ እምበር ዓየይቲ :ነቲ ስግሞም ኣንፈቱ ብክፍተት ጚላ ክርኡዎ ኣይ ከኣሉን::ሽኩሽካ ሃዊሱ ዓይንና ኣዚሩዎ ንደልዮ ዘለና ምፍላጥ ሲኢና::

ኢቲ ንጽበዮ ዘለና እንታይ ኢዩ?
ቃልሲ ንናጽነት 30 ዓመት ወሲዱ:ድሕሪ ናጽነት ድማ 30 ዓመት ክሳብ ዝበጽሕ ዲና ንጽበ ዘለና?
ቃልሲ ሙቁዋም ዝተጀመረሉ ብወግዒ ኩሉና ንሰማመዓሉ ምስ ናይ ዶብ ውግእ 1998 ኢዩ::እዚ እንተደኣ ሓሲብናዮ ክሳብ ሕጂ 20 ዓመት ገርና ኣለና::ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ 5 ዓበይቲ ፍጻመታት ተራኢዩ::

1-ምእሳር G15
2-ሲርሒት ፎርቶ
3- ሓውኻ ኣበይ ኣሎ
4-ሰልፋ ኣኽርያን ኢየን::
እዚ ማለትከኣ ኣብ ነፍስወከፍ 5 ዓመት ምርጫ ክነካይድ ዝግበአና :ስልፊ ወጺና::ዝተቀየረ እስርቤት እምበር ዝመጸ ለውጢ የለን::እዚአን 4 ዓበይቲ ተባሂለን ዝዝረበለን ብተግባር ኣብ ባይታ ኢየን::ንሕና ከኣ ቆላሕታና ኣብ ጹሑፍ ጥራሕ ዘይኮነ ኪኒዮ’ቲ ስግር ክንጥምት ኣለና::

ብኻልእ ወገን ኢቲ ስፍሓት ዝውንን ቃለ ምልልሱ ኣብ ዝሓለፈ ኡዋን ከም ዝፍለጥ:ሰፍራታት ግብጺ ንዝብል ዜና ምላሽ ክህብ ከሎ: ካብ ከደምቲ ዝኾና ሚድያታት ኣልጀዚራ ዝተረኽበ ዙንቡዕ :ዘይየለ ስእሊ:ንፖሎቲካዊ ሃልኪ ዝተጠቅሙሉ ዘስምዕ ዘረባ ተዛሪቡ::ንባዕዳውይን ምሕጋዝ ከኣ ኣሉ ኢሉዎ::እዞም ባዕዳውያን ንብሎም መን ኢዮም::ኩሎም ኣብ ሃገርና ተዓቂቦም ዘለው ወላውን ንናጽነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣለው::ክሳብ ሕጂ ኢማራትን ደምሒትን ቅኒጂትን ናጽነት ኤርትራ ጌጋ ኢዩ ኣብ ዝብል መትከል ዝረዓሙ ኢዮም::ኢዚኦምከ ባዕዳውያን ኣይኮኑን ማለት ዲዩ:ሰፈራ ግብጺ ተተኸወለ እግረ እዞም ሰባት ሓጺሩ ዶ?ወተሃደራዊ ስፍራ የብሎምን ማለት ዲዩ?

ኣብ ኣርእስቲ ሓድነት ኮይነ ክዛረብ:ሓደ ተነቃፊ ዝኾነ ዛዕባ ኣሎ:እዚ ከኣ ሰለቲ ሓባራዊ ማኣዲ ምድላይ እምበር ነድሪ ምትንካፍ ከምዘይኮነ ኩሉ ክርደኣለይ ይላቦ:

ብወገነይ ጌጋ ርድኢት ኣብ ገለ ዜጋታት ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ :: እቲ ቃልሲንናጽነት  መደምደምታ ከምዝተገብረሉን በታ ሰመያዊት ካርድ ተረጋጊጹስ  ኢታ ካርድ ምስቲ ኩሉ ጹቡቃን ሕማቃን ተዓቅባ ኢያ::ታሪኽ ከኣ ብዝቅጽል ወለዶ ዝፍረድ እምበር ብሰራሒኡ ዝቀናጆ ካርድ ኣይኮነን::ሃገር ከኣ ካብ ሑሉፍ ወለዶ ትርከባ ጥራሕ ዘይኮነት ካብ መጻኢ ወለዶ ትልቀሓ ሰነድ ኢያ::ንፍቶ ንጽላእ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባርን ኮነ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንገሊኡ ዝቀርቦ:ንገሊኡ ዝርሕቆ ኣይ ኮነን::ኩሉና ንሕበነሉ ብ ሓደ ነብዕሎ’ዩ::ኢቲ ቃልሲ ንናጽነት መደምደምታ ተገሩሉ ክንሱ ዝኸፈኦ ሰብ ኣብ ክንዲ በቲ ሕምቀቱ ሓላፍነት ዝስከም ሑሉፍ ፋይል ክግንጽል ይረአ ኣሎ::እዚ ከኣ ንገሊኡ እቲ ሰበባ ሰቲ ይመስሎ እሞ ይደናገር::
ንውድቡ ኢሉ ዝተቃለሰን ዝሞተን የልቦን::እዞም ሕጂ ዘለው ህ.ግ ኮነ ተ.ሓ.ኤ ኣይኮኑን::እዞም ሰባት ንናጽነት ኢዮም ተቃሊሶም ናጽነት ከኣ መጺኣ ኢያ::መጽሓፍ ናጽነት ኣይነራኽሶ::ሽሕ ኡኳ ልዕሊ ሃገራውያን ዘይብልና ተኾና እዚ ህዝቢ ብእምነት ዘይተፈላለየ ብውድብን ስነሓሳብን ክፈላለ ኣይንፍረዶ::

ሕጂ ውን ኣብዚ ኣርእስቲ ንሕና ኤርትራውያን ማኣዲ ዘሕደገና ቢሄር ኮነ እምነት ኣሎ ንብል ሰባት ካብ ክውንነት ዝራሓቅናን:ነብሪ ከለዎ ሃድን በረኻ : ንወኻሩ ዕድል ምሃብ : ጌጋን:ካብ ሓቂ ምርሓቅ ውን ኢዩ:: በቲ መግቢ ዝተሓንቀ እምበር በቲ ብላዕ ዘግሰዐ :ሽፋ ቱኹንካ ዝተባህለን:ዕንጋለ ንሓዉ ዝኸለአን :ንውሱናት ኢላ ዝተባረኸት ማኣዲ የላን::ብዲሕሪ መጋረጃ ኮይንካ ኢዚኦም ቢሄር ዶ እዞም ኣውራጃ እዞም እምነት እዳ በልና ካብ ወራይና ኣይንህደም::ሽሕ ኡኳ ሕጊ ሚዛን ተኾነ :ኣብ ዓዲ ሕጊ ኮይንካ ዘይ ተዳላደልካ:ብኣንጻሩ ሕጊ ጭሕሚ ስበይቲ ኣብ ዝኾነላ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ብማዕረ እንዳ ተጨፍጨፉን ብማዕረ እንዳ ከፈኦምን :ክይተኻሓሓዱ ተጸዋዊሮም የሳልዩዎ ኣለው::ንሕና ኣብ ደገ:ኣብ ዓዲ ሕጊ ኮይና ክንጸያየን ኣይግባእን::እዚ ከኣ ብሕጊ ዝፍወስ ኡኳ ተኾነ መባእታዊ መንጸፍ ንቀጻሊ ውሕስነት ተዘይብሉ መጥመሪ ዝሰኣነት ቂሚጦ ብንፋስ ቂላዎ ንጨራሩ ኢያ ትኸውን::

ኣብ መወዳእታ ኢቲ ቃልሲ ብ ምርጫ እምበር ብምሕጽንታ ኣብ ዘይ ኮነሉ እዋን ኢቲ ዝሓመመን ፈውሲ ሕማሙ ዝሰኣነን ህዝብና ኢዩ::ምሕረት ን ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ዘይኮነ ምሕረት ንኤርትራን ኤርትራውያንን  ኢዩ ዝግባእ::

ሓውኹም መሓመድ እስማዒል
ኦክላንድ ካሊፎርኒያ
ለካቲት 2018

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT