Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ ጥልያን እታ ኣኳርየስ እትብሃል ስደተኛታት ኣብ ምድሓን እተዋፈረት መርከብ፡ መርዛም ጓሓፍ ኣብ ወደባት ጥልያን ደርብያ ብዝብል ክሲ ክትተሓዝ ምእዛዙ፡ ኣሾሽይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ጥሩፍ መርገጺ ዘለዎ የማናዊ መንግስቲ ጥልያን፡ እታ ኣኳርየስ እትብሃል ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን እተዋፈረት መርከብ፡ 24 ቶን መርዛም ጓሓፍ ኣብ ወደባት ጥልያን ደርብያ ብዝብል ክሲ ክትተሓዝ ምእዛዙ ኣሾሽይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ሓደ

እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ጥሩፍ መርገጺ ዘለዎ የማናዊ መንግስቲ ጥልያን፡ እታ ኣኳርየስ እትብሃል ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን እተዋፈረት መርከብ፡ 24 ቶን መርዛም ጓሓፍ ኣብ ወደባት ጥልያን ደርብያ ብዝብል ክሲ ክትተሓዝ ምእዛዙ ኣሾሽይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ነታ መርከብ ዝተኻረዩዋ  ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝብሃል ገባሪ ሰናይ ማሕበር፡ ውዲተኛ ክሲ እዩ ብምባል ነቲ ተግባር ኮኒኑዎ `ሎ።

መንግስቲ ጥልያን፡ ነታ ስደተኛታት ሒዛ ኣብ ወደባቱ ዝተጸገዐት መርከብ ኣኳርየስ ስደተኛታት ኣብ ወደባቱ ከተራግፍ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ብኤውሮጳ ደረጃ ብዙሕ ምክርኻር ስዒቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

መንግስቲ ጥልያን፡ ንተረፍ መረፍ መግብን ክዳውንትን ናይ ሕክምና ጓሓፍን ናይቶም ስደተኛታት ከም ናይ ኒኲሌየር ጸዓት መርዛም ጓሓፍ ኣጋኒኑ ብምቕራብ ክሲ መስሪቱ ምንቅስቓሱ፡ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ዕማም ንምዕንቃፍ ዝኣለሞ ተንኮል ምዃኑ እቶም ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት የቃልዑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT