Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ እስራኤል ዋሕዚ ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት ንምግታእን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስን ኣውጺኡዎ ዘሎ መደብ ንኤርትራውያን ስደተኛታት የሻቕሎም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ መንግስቲ እስራኤል ዋሕዚ ኣፍሪቃውን ስደተኛታት ንምግታእ 160 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑ ክወስዶም ወጢኑዎም ዘሎ ስጉምታት፡ ከምኡ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር በንጃሚን ናታንያሁ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት በጺሑ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ መንግስቲ እስራኤል ዋሕዚ ኣፍሪቃውን ስደተኛታት ንምግታእ 160 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑ ክወስዶም ወጢኑዎም ዘሎ ስጉምታት፡ ከምኡ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር በንጃሚን ናታንያሁ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት በጺሑ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ባይታ ንምጥጣሕ ወጢኑዎ ዘሎ መደብ ነቶም በቲ ጽንኩር ጉዕዞ ሲናይ ኣቢሎም ኣብ እስራኤል ኣትዮም ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሻቂሉዎም ከምዘሎ፡ ሎሚ 16 ታሕሳስ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለመጠየቕ ዘካየዱ ከም መራሕቲ ኮሚተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዘገልገሉ ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ሓቢሮም።

ንሳቶም ኣብ መግለጺኦም፡ መንግስቲ እስራኤል ብተደጋጋሚ ግዜ ተሪር ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣብ ትግባረ ከዝልቖ ኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ብስደተኛታት ኣይሁዳዊ መምነቱ ከይቅጠን ስግኣት ዘለዎ መንግስቲ፡  ኣብዚ እዋን’ዚ ቃንኡ ትርር ኢሉ ስለዘሎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ሳዕቤናት ከየኸትል ሓያል ጥንቃቐን ስራሕን ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።  እቲ ናብ ሃገሮም ንዝተመልሱ ስደተኛታት ብዘይንሕስያ  ዝኣስርን ዘጋፍዕን ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ኩነታት’ዚ ምእንቲ ፖለቲካውን ገንዘባውን ረብሓ ክምዝምዞ ስለዝኽእል ነቲ ኣስጋእነት ዝያዳ ከምዘዕብዮ ‘ውን ኣሚቶም።

እንተኾነ፡ እቶም ብጽንኩር ጉዕዞ ሲናይ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ገለ ስኣን ኣፍልጦን ንቕሓትን ገለ ብዕዳ ስለዝተሓዙ ገለ ‘ውን ብሰንኪ በለጻዊ መርገጺ፡ ነቲ ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎ ጉዳዮም ብግቡእ ስለዘየቕርቡዎ፡ ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ይጽብጸቡ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ በቲ ናይ ምስጓጕ ውጥን ዝሕመ መንግስቲ እስራኤል ጥራይ ከምዘይኮነ እቶም መንእሰያት ኣረዲኦም።

ብዙሓት ውጻእ መዓት ዝኾኑ፡ ናይ ሲናይ ስንብራቶም ዘየሕወዩ መንእሰያት፡ ምስቲ ጠንቂ ስደቶም ዝኾነ፡ ካብ ዓዲ ዘንፈጾም ውልቀምልካዊ ስርዓት ከሕለክልኹ ስለዝረኣዩ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሕቶ ኣዳኺሙ ንኹሎም ለኻኺሙ ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኣብ ታርጌት መስጎግቲ የውድቖም ምህላዉ ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ እቶም መንእሰያት፡ ካብ ሓደጋ መንስጎግቲ ናብ ኤርትራ ንምድሓን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዋናታት ጉዳዮም ብምዃን ንመንግስቲ እስራኤልን ዓለምን ከረድኡ ከምዝግባእ መረዳእታኦም ገሊጾም። ኣብዚ ጻዕሪ’ዚ ምትሕብባር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ከምዘድልዮም ‘ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ይኹንእምበር፡ ስደት መፍትሒ ሽግር ከምዘይኮነ ብምስማር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ንኤርትራውያን ካብ ገዛእ ሃገሮም ዘባርሮም ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውዳቕ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ቀሲኑን ኮሪዑን ክነብረሉ ዝኽእል ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተኽሉ ብዘይወዓል ሕደር ክንቀሳቀሱ ኣተሓሳሲቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለመጠየቕ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ 16 ታሕሳስ መደብ ድምጺ ኣሰና ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Amanuel ; birmingham December 16, 2011

    we need to stand together to prevent the deportation of Eritreans to the dictatorial regime in Eritrea. The refugees in Isreal should also expose those who work with Hegdf in Isreal. They are fake aslyum seekers. we have to stand for those Erireans who have fear of the cruel regime.

    Issais will accept any deal that could offered him money. No matter how much money he will get, he will accept it.

    Hegdef doesn’t bother himself about diplomacy and human righ issue, these are considers as conspirecy by the western power. But even ordinary Eritreans want to ensure the basic human right in Eritrea.

  • zemen beraki December 16, 2011

    Those who say PFDJ is a just regime must now be ready to be repatriated to eritrea. I know there are are quite a number of them in variopus Israeli cities. The negative side is these people have tarnished the image of true refugees who have escaped the dungeons of Isyas.

  • Freeprisoners December 16, 2011

    This is very important topic that all justice seekers of Eritreans should demonstrate in all Israel’s emmbassies in the world. Israel its self had passed lots of difficulte, god wllling they have achieved their hard work. Now we Eritreans whilist we know coming to Israel is not our desire, we also need Israel to understand our problems. in this case we need to demonstrat and report this dangerous path to to the Israel emmbasies.

    Along with it, we Eritreans need to undertake and organise for a big day that that we should all attend for a democratic Eritrea. We cann’t just suffer in our homeland and in excile. we need to take real action in both ways by anymeans.

POST A COMMENT