Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንነት መላኺ ኢሳያስ ከነጻሪ፡ መንነትና ይጠፍእ ኣሎ

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ማእለያ ዘይብሉ ባጀት ብምስላዕን ዓቅሚ ሰብ ብምምዳብን፡ ዝርአን ዘይርአን ተንኮላትን ንጥፈታትን’ዩ ዘካይድ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብና፡ ብሓይሊ ብረት፡

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ማእለያ ዘይብሉ ባጀት ብምስላዕን ዓቅሚ ሰብ ብምምዳብን፡ ዝርአን ዘይርአን ተንኮላትን ንጥፈታትን’ዩ ዘካይድ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብና፡ ብሓይሊ ብረት፡ ብማእሰርቲ፡ ዝብላዕን ዝስተን ብምኽላእን ዝርካቡ ማእበራዊ ኣገልግሎት ብምሕራምን፡ እኩይ መደባቱ የተግብር። ህግደፍ ነቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኣብ ስደት ተበታቲኑ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ኤርትራዊ ድማ፡ ከም ቃሕ ዝበሎ ቅሉዕን እውጁን ምቁጽጻር’ኳ እንተዘይገበረ፡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክገሹ፡ ስድራቤቶም ክበጽሑ፡ ትካል ክኸፍቱን ካልእ ዋኒን ከካይዱን ኣብ ዝምድቡሉ እዋን ግን ኣሽሓት ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ወይ ድማ መእተዊ ፍቃድ ይኽልከሉ። ንኣብነት ገዛ ከተስርሕ፡ ንግዲ ክትከፍት፡ ሕጋዊ ሰነዳት ከተወጽእ ኣብ ትምድበሉ፡ ዝኾነ ኣገልግሎት ዘይትረኽበሉ ክልተ ካብ ሚእቲ ክትከፍል፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝፈጸምካ ወይ ከምዘይምልከተካ፡ ኣብ ህግደፍ ዝወደቦ ሃገራዊ በዓላትን ጓይላታትን ከምዝተሳተፍካን ምስ ተቃወምቲ ኢድካ ከምዘይሓወስካን ከተረጋግጽ ኣለካ። እዚ ኹሉ ጋዕገልጠምን ዘይሕጋውን ግሉጽነትን ዝጎደሎ ኣሰራርሓን ናይ ስርዓት ህግደፍ ዘይትቅበል እንተኾይንካ ከኣ ካብ ኩሉ ትተርፍ። ወይ ድማ ኣሽሓት ገንዘብካ ተመንጢልካ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከም በዓል ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ እስራኤል ትኸይድን ገለ ማሕበራዊ ጠለባትካ ከም መርዓ፡ ሕጸ፡ ምርኣይ ስድራቤት መገሺ ወረቀት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ተሳልጥን።

ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ምስ ምምጻእ ምንቅስማዕበል ይኣክል፡ ካብ ስልጣኑ ከይግለፍን ንዓመታት ዝፈጸሞ ማእለያ ዘይብሉ  ገበናት ብሓላፍነት ከይሕተትን ስለዝርዓደ፡ ህላወኡ ንምርግጋጽ ብኽልተ ዝብልሑ ካራ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ የሰላስል ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ እተን ቅድሚ ናጽነት ዝመስረተን “ሃገራውያን ማሕበራት” ኢሉ ዝጽውዐን፡ ዕላማታቱ ዝትግብራ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያትን ተማሃሮን፡ ሰራሕተኛታትን ከምኡ’ውን ማሕበረ ኮማትን ኣቢሉ ህዝቢ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እጃሙ ከበርክትን ንሰውራኡ ከሰስንን ልዑል ተራ ከምዝነበረን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ እዘን ብቤት ጽሕፈት የማነ ማንኪ ተማእዚዘን  ዝሰርሓ ስማውያን ሃገራውያን ማሕበራትን ማሕበረ ኮማትን፡ ካብ ምእካብ ገንዘብን ስለያዊ ስርሓት ምክያድን ንመሰል ህዝቢ ኤርትራን ዝቆማሉን ዝጣበቃን ኣይኮናን። ንኣብነት፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ዝወርደን ማእሰርቲ፡ ዓመጽ፡ ስእነት ስራሕን ድኽነትን፡ ብዘይ ሰብኡተን ዝተርፋ ኣባላቱ ግዲ ከይገበረ፡ ኣብ ምቅባል ኣጋይሽ፡ ውራያትን ጓይላታትን፡ ኣዋርቅ ተሰሊመን፡ ሓደ ዓይነት ዝሕብሩን ቅድን ዘለዎ ዙርያታት ተኸዲነን ክዕልላን ክስዕስዓን ከም ዓቢ ሞያን ሓበንን ኢዩ ዝውሰድ።

ቀንዲ ሕዱር ሕማም ስርዓት ህግደፍ፡ ይዕበ ይንኣስ ንሱ ዘይቆጻጸሮ ናይ ኤርትራውያን ምትእኽኻብ ምስዝርኢ ደም ዓይኑ’ዩ ዝመልኦን ብፍርሒ ዝወሓጥን። ሕሉፍ ሓሊፉ ስርዓት ህግደፍ፡ መሳርሕቲ፡ መማህርቲ፡ መተዓብይትን መዛኑን፡ ዝኽርታቶም ንምሕዳስ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉ ማሕበርን ዕቁብን መሳሊ መስሪቶም ክእከቡን ክዘናግዑን እንተተዓዚቡ፡ ንኽብትን ዝኾነ ምኽንያት ፈጢሩ፡ ክኣስር፡ ከጸልምን ክኸስስን’ዩ ዝቀዳደም። እቲ ዝያዳ ዘገርምን ድኽመት ናይ ኩልና ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ መርዛማት ኣጽፋሩን ዘራጊ ፖሊሲታቱን ኣብ ኣካላትናን መዓልታዊ ህይወትናን ክሸኽለልና እንከሎ “ኣይፋል” ኢል ናንመሰለናን ክብረትናን ጠጠው ዘይምባልና’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ህዝቢ ካብ ፖለቲካን ምትእትታው ህግደፍን፡ ናጻን ባዕሉ ዘማሓድሮን ማሕበረ ኮማት ንምምስራት ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዱን ገና ይቅጽል ኣሎን። ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ንሽርሕታትን ተጻብኦታትን ስርዓት ህግደፍ መኪቶምን ሰሚሮምን፡ ባዕሎም ዝውንኖ ማሕበረ ኮም ክምስርቱ እንከለዉ ኣብ ካልኦት ከተማታት ድማ ብሰሪ ምትእትታው ስርዓት ህግደፍን ድኻም ኤርትራውያንን ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዶም ኣይሰለጦምን። ምስጢር ዓወት ናይቶም ናይ ህዝቢ ማሕበረ ኮም መስሪቶም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣጠማምታን ካልእ ውልቃዊ ፍልልያትን ብዘተ ፈቲሖምን ተጸዋዊሮምን፡ ቀዳምነት ብዛዕባ ደቆምን መጻኢኦምን ስለዘቀደሙን ብተንኮላት ስርዓት ህግደፍ ስለዘይተጻዕዱን ጥራይ ኢዮም። እዞም ኣብ መስርሕ ምምስራት ናጻ ማሕበረ ኮም ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢሉ፡ ወነንቲ ዕድሎም ንኸይኮኑን ኣብ ውሽጦም ምጥርጣር ንኸሕድሩን ዝኣልሞ ስዉርን ግሁድን ተንኮላት እንተነቂሖሙሉን ብትብዓት እንተሰሪሖምን፡ ማሕበረ ኮም መስሪቶም ተጠቀምቲ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ዕድላት ክኾኑን ሓድሕድ ክተሓጋገዙን ብዙሕ ዕድላትን ረብሓታትን ኣለዎም። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓድና ሰላም ከሊኡና ከብቅዕ፡ ኣብ ዓዲ ፍትሕን ሕግን መጺኡ፡ ነታ ጽዒርና ንበልዓ ቁራስ እንጀራ ክጫረተናን በዚ እተው በዚ ውጹ ክብለናን እንከሎ ድማ ግርምቢጥ’ዩ። ይኣክል፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ርእስና ክሸነልና ከነፍቅደሉ ኣይግባእን።

ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ ካድራት ህግደፍን ኣባላት ኤምባሲ ህግደፍ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣኼባታቶም ዝገልጽዎን ብምስጢር ዘመሓላልፍዎምን መልእኽቲ ከምዝነጽሮ፡ “ብዘይ ኣፍልጦ ህግደፍን ኤምባሲን ዝምስረት ዝኾነ ማሕበረ ኮም ወይ ማሕበር ምትሕግጋዝን ክህሉ ስለዘይግባእን ጸረ ሃገር ስለዝኾነን ክፈርስ ኣለዎ” ዝብል’ዩ። ጉዳያት ካብ ቁጽጽር ውልቀመላኺ ህግደፍ ኣብ ዝኾነሉ ድማ፡ ንቀንዲ ኣካየድቲ ወይ መራሕቲ ናይቲ ዝቀውም ማሕበረ ኮምን ምትሕግጋዝን፡ “ተቃወምቲ መንግስቲ’ዮም፡ ብወያነ ዝተመወሉ’ዮም፡ ጸረ ሃገር’ዮም’ ጰንጠ-ጅሆባ’ዮም” ዝብል ሕሱር ጸለመታት የካይድ። ብተግባር ከምዝርአ ግን፡ ድሮ ቆይመን ዘለዋን ኣብ መስርሕ ምምስራት ዝርከባን ማሕበረ ኮማትን ማሕበር ምትሕግጋዝን “ሓላይ ህዝቢ’የ መንግስቲ’የ” ዝብል ሎኽመኛ ህግደፍ ዘይፈጸሞ፡ ዝተጸገሙን ካብ ሃገሮም ዝተሰዱን ኤርትራውያን ኣብ ምሕጋዝ፡ ንደቆም  መንነቶምን ቋንቆኦምን ኣብ ምምሃር፡ ዓመታዊ መደባት ምዝንጋዕን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ኣብ ምድላው፡ ኣብ ሓዘንን ሓጎስን ብሓባር ምውሳእ ዝኣመሰለ ዕማማት ይሰላስላ ኣለዋ። እቶም ብስርዓት ህግደፍ ከም ከድዓት ዝቁጸሩ ኣካየድቲ ስራሕን ብንጥፈት ዝዋስኡን ኣባላት ድማ፡ ግዜኦም፡ ገንዘቦምን ውልቃዊ መደባቶምን ንህዝቦም ኣወፍዮም ብወለንታ ዝሰርሑ እምበር ዝኽፈልዎ ገንዘብን ዝፈጸምዎ ክድዓትን የለን።

ኣገዳስነት ህላወ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘይቆጻጸረን ማሕበረ ኮማትን ማሕበር ምትሕግጋዝን ዝፈርደን ድማ እቲ ካብአን ዝረብሕን ኣገልግሎትን ዝረክብ ዘሎ ኤርትራዊ እምበር፡ እቶም ህግደፍ ዝለኣኾም ጎባልል ሓሶትን ሓተላ ሕብረተሰብ ኣይኮኑን። “እቲ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ጥራይ ኣጽንዕ” ከምዝብሃል፡ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክበታትን ቀዳማይ ዕላምኡ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ንተንኮላት ህግደፍ ክነቅሓሉን ወናኒ ህይወቱን መጻኢ ዕድሉን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ማሕበረ ኮም መስሪቱ ብዛዕባ ሃገሩ፡ ደቁን ጸግማቱን ከይዝቲ፡ ታሪኹ፡ ባህሉ፡ መንነቱን እምነቱን ከይዕቅብ፡ ንስርዓት ህግደፍ  ከም ድሌቱ ክዕንድር ፍቃድ ክወሃቦ የብሉን። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንዓመታት ከም ስደተኛታት ተቀሚጥና ማሕበረ ኮም ወይ ማሕበር ምትሕግጋዝ ዘይምምስራትና፡ ጠንቂ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናትና ድኻምን ተወፋይነት ዘይምህላውን ከምዝኾነ ድኻምና ክንግምግም ኣለና። ንኸንቱ ብሃናጺ ዘይኮነ ክትዕን ዝየስርሓናን ዝሓልፈ ዓመታትን ሸንክለልን ከብቅዕ ይግባእ። ብዕድል ደቅናን ደቂ ደቅናን ክንጻወት ብሓላፍነት ዘሕትተናን መስሓቅ ጸላእትና ንኸውን ከምዘለና ክንግንዝብን ኣለና። ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልየናን ቀዳምነት ክንህቦ ዝግብኣናን፡ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ጸገማትና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ምምንቋስ እምበር፡ ወለዶ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ከነጻሪ ወይ ኩፉእ ተግባራቱ ክንዝርዝር ፋይዳ የብሉን። ንምንታይሲ መላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ጥፍኣትን ውርደትን፡ ልምዓትን ክብረትን ከምዘይምነየሉ ደጋጊሙ ሓቢሩና ኢዩ።

 

         ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥቅምቲ 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hdriswuehalalmariet October 8, 2019

    Isaias afewerk and his cabals are impostors, sworn to wipe out Eritreans and replace them with resettlers from tigrai. If this scenario seems to any genuine Eritrean too far-fetched and unlikely, it may be because he/she is blissfully ignorant of the unscrupulously expansive and covetous nature of tegaru…… it may be because he/she is blissfully forgetful of the past Genocidal crimes isaias afewerk’s great grand father and alula committed over our people….. It may be because he/she is blissfully ignorant of the fact that Eritrean Sovereign Territory,Badme, is now completely cleansed of its Eritrean inhabitants and completely occupied and resettled with tegaru. And who annexed Badme to tigrai? None other than the impostor isaias afewerk and his cabals, who have usurped the Eritrean States Apparatus, not as they deceitfully profess with their treacherous lips to defend it’s Soverignty, but to systematically ruin it and realize the dream of their great grandfathers. What should be our First Principle in our fight to put behind bars these impostors?……know thy Enemy and identify his Motive, should be our First Principle. Needless to say, we have been Waging struggle without clearly identifying the Enemy and its motive which has led us to failures., Some foreigners liken Eritrea to North Korea to which some of us respond unwittingly with enthusiasm. But North Korea is ran by a native family dynasty who have developed Nuclear weapon to defend themselves unlike Eritrea which is usurped by impostors..who have purposely dilapidated it’s army, economy and its people.. We must stop Hypocrisy and call our enemy by the essence they represent…..impostors…….and acknowledge and say loudly and clearly that they are our existential enemies. We must not be deceived by their apearance and their flattery of their treacherous lips

POST A COMMENT