Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መተሓሳሰቢ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንምብርዓን፡ እንተስ ብምትላል እንተስ ጸቕጢ ብምግባር ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምዘየሎ ዘረጋግጽ ክታም ካብ ኤርትራውያን ክእክብ ተዋፊሩ ይርከብ። እቲ ሓቂ ኩሉ ከምዝፈልጦ ግና

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንምብርዓን፡ እንተስ ብምትላል እንተስ ጸቕጢ ብምግባር ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምዘየሎ ዘረጋግጽ ክታም ካብ ኤርትራውያን ክእክብ ተዋፊሩ ይርከብ።

እቲ ሓቂ ኩሉ ከምዝፈልጦ ግና ጠንቂ ስደትን፡ ሕስረትን፡ ምብትታንን፡ ሞትን ኤርትራውያን ብሰንኪ ጉድለት ግዝኣተ ሕጊ እዩ። ምስ ባርነት ዝዳረግ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተወሲኽዎ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ክነብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለዝበጽሐ፡ ዓዱ ገዲፉ፡ ብብረት ዝሕሎ ዶባት ሰጊሩ ናብ ዓዲ ጓና ክስደድ ተቀሲቡ ኣደዳ ሓሳረ መከራ ኮይኑ ኣሎ።

ኣዝዮም ውሑዳት ኤርትራውያን ግና ነቲ ሓቂ እንዳፈለጡ እንተስ ብፍርሒ፡ እንተስ ብረብሓ፡ እንተስ “ዘይሰንኻ ሑጻ ቖርጥመሉ” ዝብል ኣተሓሳስባ፡ መጋበሪ ኤምባሲ ክኾኑ መሪጾም ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም መንግስቲ ኤርትራ ኣጋፊዑና፡ ኣብ ዓድና ክነብር ኣይከኣልናን ብምባል ዑቕባ ሓቲቶም ክንሶም፡ ተገምጢሎም ግና መንግስቲ ዝበደሎ የብሉን፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እዮም ብሓሶት ንመንግስትና ዝጥቅኑዎ ዘለዉ እንዳበሉ ነዚ ብህይወት ዜጋታቱ ዝጻወትን ብመጻኢ ዕድል ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ ዝጣላዕን ዘሎ ኣረሜናዊ መንግስቲ ክሕለቕሉ ዝፍትኑ ዘለዉ።

ሃገርን ህዝብን ካብ መንግስቲ ፈሊኻ ምርኣይ ብልሒ’ዩ። ነቲ “ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት” ዝኽሰስ ዘሎ መንግስቲ ምጥባቕ ማለት ኣብቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ገበን ተሳታፊ ምዃን ማለት እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ኤምዲሰመ ንኹሎም እቶም መጋበሪ መንግስቲ ክኾኑ ዝመረጹ፡ ናብ ልቦም ክምለሱ፡ ምስቲ ውጹዕ ህዝቦም ክውግኑ የተሓሳስብ። እንተዘይኮነ ግና ብሕጊ ተሓተቲ ምዃኖም ክግንዘቡ ይግባእ። ጸብጻቦም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጠበቓታት ንሰብኣዊ መሰላትን፡ ሕቡራት መንግስታትን፡ ነተን መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ዘለወን ሃገራት ኤምባሲታትን ከነመሓላልፎ ምዃንና ኣቐዲምና ነጠንቕቕ። ንዝመጽእ ሳዕቤን ተሓተቲ እቶም ምስ ኣሬመናዊ መንግስቲ ዝደናገጹ ውሑዳት ውልቀሰባት ምዃኖም ነፍልጥ።

 

ኤምዲሰመ

15 ጥሪ 2016

ፕሪቶርያ – ደቡብ ኣፍሪቃ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde January 16, 2016

    Thanks for your relentless work EMDHR , a stern warning for those who are hesitating to stand on the right side of history.

  • አብርሃም ሓድጉ January 18, 2016

    ተሕዝኑ

POST A COMMENT