Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቱትጋርት/Schwabenland ብድምቀት ተኸቢሩ።

  መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ  ከተማ  ስቱትጋርት/Schwabenland ብድምቀት ተኸቢሩ። ብሓልዮት  ጨንፈር  ማኅበር  መንእሰይ  ስምረት  ንሃገራዊ  ድሕነት  ተዳልዩ  ኲለን  ፖለቲካዊ  ውድባትን ሲቪካዊ  ማኅበራትን  ከምኡ`ውን  ማኅበር  ምትሕግጋዝ  ኤርትራን  ሬድዮ  ትግርኛን  ኣብ  ስቱትጋርት፡  ብሓባር ዝተኻፈላኦ  ብብዝሒ  ሓደስቲ  ስደተኛታት መናእሰይ 

 

መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ

ኣብ  ከተማ  ስቱትጋርት/Schwabenland

ብድምቀት ተኸቢሩ።

ብሓልዮት  ጨንፈር  ማኅበር  መንእሰይ  ስምረት  ንሃገራዊ  ድሕነት  ተዳልዩ  ኲለን  ፖለቲካዊ  ውድባትን ሲቪካዊ  ማኅበራትን  ከምኡ`ውን  ማኅበር  ምትሕግጋዝ  ኤርትራን  ሬድዮ  ትግርኛን  ኣብ  ስቱትጋርት፡  ብሓባር ዝተኻፈላኦ  ብብዝሒ  ሓደስቲ  ስደተኛታት መናእሰይ  ዝተረኸቡዎ፡  ብዘይ  ጓይላን ከበሮን  ውዕዉዕ በዓል  ነጻነት  ተኻይዱ።

እቲ  በዓል   ብዝኽሪ   ስውኣት  ተኸፊቱ  ኣቦ  መንበርን  ዋና ፀሓፍን  ጨንፈር ማኅበር  ተተቐባቢሎም  ንህልዊ  ኲነታት  ሃገርና  ኤርትራ  ብዝምስጥ  ኣገባብ  መግለጺ  ሂቦምሉ። ብተወሳኺ  ወኪል  ኣሰናን   ኣባል  ሽማግለ  ሃገራዊ  ባይቶን  ኣብ  ስቱትጋርት  በብተራ፡  ሕዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ  ዘሎ  መሪርን  ኣሰቃቅን  ሂወት  ናብራ  ኣመልኪቶም  በዚ  እንጎዓዞ  ዘለና  ኲነታት፡  ኤርትራውያን  ከይንጸንትን   ኣልቦ  ሃገር  ከይንኸውንን  ኣዝዩ   ዘስግእን  ዘፍርሕን  እዋን  ስለዝኾነ  እሞ   ሓጂ`ኸ  ድኣ  እንታይ  ንግበር ?  መፍትሕና  ነናዲ !  ሕዝብናን ሃገርናን  ነድሕን !! ዝብሉ  ህጹጻትን  ውዓል  ሕደር  ዘየድልዮም  ኣገደስቲ  ዛዕባታት  ኣልዒሎም    ሰፊሕ  መግለጺ  ሂቦም።  ብተወሳኺ   መንእሰያት  ኣብዚ  ቀረባ   እዋን  ንጀርመን  ዝኣተው  ንዘሕለፉዎ  መሪር ኲነታት  ጉዕዞ  ስደት  ኣመልኪቶም  መዓንጣ  ከብድኻ  ዝበልዕ  ዝተፈላለየ  ግጥምታት  ኣስሚዖም። ኣብ መጨረሽታ ሓቦን ኒሕን ዝመለለይኡ  ኤርትራዊ  ኣብ ሓጺር ጊዜ ንኣረመን ህግደፍ/መንደፍን  ኮራኹሩን  ስዒርና ሓርነትና ብቕልጽምና  ከም እነምጽኣ  ኣይንጠራጠርን ብማለት ነቲ በዓል ብዓጅቦት ደምዲሞሞ።

ወኪል  ኣሰና

ስቱትጋርትን  ከባቢኣን  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT