Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስራትን ኣካያድን `ፈይስቡክ` (Facebook) ማርክ ዛክርበርግ፡ ብዛዕባ`ቲ ምስ ` ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ` ዝተባህለ ኩባንያ ተኣሳሲሩ ዝተኸስተ ግጉይ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ዓማዊል ፈይስቡክ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ብሰንኪ `ቲ `ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ` ዝተባህለ ኩባንያ ዓዲ እንግሊዝ ንውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ፈይስቡክ ብዘይ ኣፍልጦ ተጠቀምቲ ኣብ ዘይግብቡእ ኣገልግሎት፡ እንተላይ ኣብ ምዕዋት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ትራምፕ ምውዓሉ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጫቚጫቚ ኣቢሉ ብርክታት ፋይስቡክ

ብሰንኪ `ቲ `ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ` ዝተባህለ ኩባንያ ዓዲ እንግሊዝ ንውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ፈይስቡክ ብዘይ ኣፍልጦ ተጠቀምቲ ኣብ ዘይግብቡእ ኣገልግሎት፡ እንተላይ ኣብ ምዕዋት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ትራምፕ ምውዓሉ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጫቚጫቚ ኣቢሉ ብርክታት ፋይስቡክ ብዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ኣብ መዓልቲ ክኸስር ኣብ ዝቐነየሉ እዋን ድምጹ ሓቢኡ ዝጸንሐ መስራትን ኣካያድን `ፈይስቡክ` (Facebook) ማርክ ዛክርበርግ፡ ኣብ መደበር ቴለቭዥን CNN ቀሪቡ ብዛዕባ`ቲ ምስ ` ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ` ዝተባህለ ኩባንያ ተኣሳሲሩ ዝተኸስተ ውሕስነት ዘይብሉ ግጉይ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ዓማዊል ፈይስቡክ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ንሱ ኣብቲ ምስ CNN ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ `እዚ ኣብ ልዕሊ እምነት ዓማዊልና ዝተፈጸመ ዓቢ ጥልመት እዩ። እዚ ጥፍኣት`ዚ ብምፍጻሙ ድማ ይቕሬታ እሓትት። ንሕና ከም ፈይስቡክ ናይ ዓማዊልና ውልቃዊ ሓበሬታ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ኣለና። ናይ ህዝቢ ሓበሬታ ብውሑስ መንገዲ ክንሕዞ ዘይንኽእል እንተዄንና ግን ህዝቢ ከነገልግል `ውን መሰል ክህልወና ኣይግባእን። ሕጂ ዝጽበየና ሓላፍነት እምብኣር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥሕሰት ካልኣይ ግዜ ከየጋጥም ምርግጋጽ እዩ።` ክብል ዝተሰመዖ ቅሬታን ጣዕሳን ገሊጹ።

ድሕሪ ደጊም ከም `ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ` ዝኣመሰሉ ንውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ፈይስቡክ ብዘይ ኣጋባብ ዝርእዩን ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ዘውዕሉን ክኢላታት ኢንተርነት ኣኻእሎኦም ንምድራት ዕቱብ ምቊጽጻር ክገብር ከምዝኾነ `ውን ኣገንዚቡ።

እቲ ናይ ቢልዮናት ተጠቀምቲ ውልቃዊ ሓበሬታ ሒዙ ዘሎ ፈይስቡክ ዓማዊሉ ግሉጻት ኮይኖም ምስጢራዊ ሓበሬታኦም ክህቡዎ ሓቲቱ ዝረኸቦ ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስዚ ዝተራእየ ምጥሓስ ናይ እምነት፡ ፈይስቡክ ንገዛእ ርእሱ ንዓማዊሉ ተመሳሳሊ ሓላፍነት ግልጽና ከምዘለዎ ከመይ ኢሉ ከእምን ይኽእል ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፡ ነዚ እምነት`ዚ ንምምላስ፡ ቅድሚ ኹሉ እቶም በዚ ጌጋ`ዚ ተተንኪፎም ዘለዉ ዓማዊል ብዓል መን ምዃኖም ብቐጥታ ክፈልጡሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ክፍጠር ምዃኑ፡ ካልኦት ከምዚ ጸገም ዝፈጥሩ ኩባንያታት ኣብ ዝቐልቀሉሉ እዋን `ውን ስጉምቲ ከምዝወስደሎም ኣዘካኺሩ።

ብኣጠቓላሊ መስራትን ኣካያድን `ፈይስቡክ` (Facebook) ማርክ ዛክርበርግ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ተጠቀምቱ ምስ ሳልሳይ ኣካል ዝለዋወጠሉ ኣገባብ ብመሰረቱ ክቕይሮ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እቲ በደል ናብ ህዝቢ ዝተገልጸ፡ `ኦብዘርቨር` ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ውልቃዊ ሓበሬታ 50 ሚልዮን ኣመሪካውያን ተጠቀምቲ ፈይስቡክ ብ ሳልሳይ ኣካል ማለት ` ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ` ተገቢቱ ናብ ኣማኻሪ ፖለቲካ ዝኾነ ትካል ተሰጋጊሩ ኣብ ምዕዋት ፕረዚደንት ትራምፕ ግደ ነይሩዎ ክኸውን ከምዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ እዩ ተቓሊዑ።

ውልቃዊ ሓበሬታ ተቀምቲ ፈይስቡክ ካብ ኣወዓዋዕቲ ቁጠባዊ ፍርያት ሓሊፉ ናብ ፖለቲካዊ መሻጣ ምውዓሉ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣብ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ዝርከቡ ኣባላት ፓርላማ፡ ፈይስቡክን እቶም ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ጥሕሰት ሕግታት ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ኢድ ዝነበሮም ሳልሳይ ኣካላትን ኣብ ቅድሚ ኮሚተታት ቀሪቦም ክሕተቱ ክጠልቡ ከለዉ፡ ገለ ኣወዓዋዕቲ ፍርያት (ኣድቨርታይዘርስ) `ውን ዝምድናኦም ምስ ፈይስቡክ ዳግመ-ግምት ክገብሩሉ ምናልባት ከኣ ክስሕቡዎ ከምዝኽእሉ ይስምዑ ኣለዉ። ብዓቢኡ፡ እቲ 538 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ብርኪ ፈይስቡክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ብ ኣርባዕተ ሚእታዊት ማለት ኣስታት 24 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ይፍለጥ።

እዚ ኣሉታዊ ኣንፈታትን ንሓዋሩ ኣብ ፈይስቡክ ከምጽኦ ዝኽእል ዕንወትን ሓደገኛነቱ ግሉጽ እናኾነ ምስ መጽአ ከኣ `ዩ፡ እቲ ኣጽቂጡ ዝቐነየ መስራትን ኣካያድን `ፈይስቡክ` (Facebook) ማርክ ዛክርበርግ፡ ነቲ ኩነታት ከተሓዳድእ ብዓውታ ክዛረብ ተገዲዱ።

እዚ ዝተራእየ ጥሕሰት ኣጠቓቕማ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ካብ ፈይስቡክ ሓሊፉ ከም Twitter ን Snap chat ን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይተረፈ ብኣሉታ ከምዝጸለዎም `ውን ይፍለጥ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT