Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መራሒ ሱዳን ነበር ዓብደራሕማን ሱዋር ኣዳሃብ ኣብ መበል 83 ዓመቱ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ወተሃድራዊ ሆስፒታል ከምዝዓረፈ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ።

ሱዋር ኣዳሃብ ን ፕረዚደንት ሱዳን ጃዕፈር ኣልኑሜሪ ኣብ 1985 ብዕልዋ ቅድሚ ምዕላዉ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ብድሕሪኡ ንዝተወሰነ እዋን መሰጋገሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ካብ ስልጣን ባዕሉ ዝተኣለየ ጀነራል እዩ። ሱዋር ኣዳሃብ፡ ልዑል ሞራልን ስነምግባርን፡ ሃገራዊ

ሱዋር ኣዳሃብ ን ፕረዚደንት ሱዳን ጃዕፈር ኣልኑሜሪ ኣብ 1985 ብዕልዋ ቅድሚ ምዕላዉ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ብድሕሪኡ ንዝተወሰነ እዋን መሰጋገሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ካብ ስልጣን ባዕሉ ዝተኣለየ ጀነራል እዩ።

ሱዋር ኣዳሃብ፡ ልዑል ሞራልን ስነምግባርን፡ ሃገራዊ ስምዒትን ዝነበሮ ሱዳናዊ ጀነራል ምንባሩ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ንመዛንኡ ብምጥቃስ ይሕብር።

ኣብ 198 ኣብ ሱዳን ህዝቢ ስርዓት ኑሜሩ ከብቅዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ምስ ኣጎሃሃረ ጀነራል ሱዋር ኣዳሃብ ምስ ላዕለዎት ጉጅለ መኮንናት ኮይኑ ካብ ስልጣን ብምእላይ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ብምቛም ክሳብ ምርጫ ዝካየድ ንሱዳን መሪሑዋ።

ንሱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ መብጽዓ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ኣብታ ብ ውግእ ሕድሕድ ተዳኺማ ዝነበረት ሱዳን ዝኣመኖ ኳ እንተዘይነበረ ከምቲ ዝበሎ ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመት ንዝተመርጸ ብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሳዲቕ ኣልማህዲ ዝተመርሐ መንግስቲ ስልጣኑ ብሰላም ብምርካብ፡ ንሓዋሩ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ባዕሉ ከምዝለቀቐ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT