Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሖሎት ኣብ ዝተባህለ ክፉት ቤትማኣሰርቲ እስራኤል ተታሒዞም ዝነበሩ ኣስታት 1200 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ዶባት ሲናይ ብእግሮም ብምጕዓዝ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ሖሎት ኣብ ዝተባህለ ክፉት ቤትማኣሰርቲ እስራኤል ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ ኣስታት 1200 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት፣ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ብእግሮም ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ብምድረበዳ ተጓዒዞም ናብ ዶብ እስራኢልን ግብጽን ገማግም ሲናይ ብምምራሽ እቲ ተጻዒኑዎም ዘሎ ማእሰርቲ ክለዓለሎም

ሖሎት ኣብ ዝተባህለ ክፉት ቤትማኣሰርቲ እስራኤል ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ ኣስታት 1200 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት፣ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ብእግሮም ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ብምድረበዳ ተጓዒዞም ናብ ዶብ እስራኢልን ግብጽን ገማግም ሲናይ ብምምራሽ እቲ ተጻዒኑዎም ዘሎ ማእሰርቲ ክለዓለሎም ብዓቢኡ ድማ ከም ስደተኛታት ተሓሪሙዎም ዘሎ ናይ ዑቕባ መሰል ክሕለወሎም ዝጽውዕ ፍሉይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ንሳቶም ሎሚ ምሸት ብወገን እስራኤል ካብ ዶብ ሲናይ 300 ሜትሮ ርሒቖም ካብ ዘካይዱዎ ዘለዉ ሰልፊ ብቴለፎን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ፣ እቲ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቴልኣቪቭን ካልኦት ከተማታትን እስራኤል ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ፍረ ስለዘየምጽአ ጉዳዮም ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ምእንቲ ክገብር ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም።

 

እቶም እቲ ተገዲዶም ዝተመልሱዎ ድርኵኺት ሲናይ፣ ነቲ ፈለማ ክስደዱ ከለዉ ኣብ ሲናይ ዝወረዶም መሪር ስቅያትን ውርደትን ዝገደፈሎም ኣካላውን ስነኣእምሩኣውን በሰላ ከምዘዘኻኸሮም ዝጠቐሱ ግዳያት፣ እቲ ዑቕባ ክኾኖም ዝተጸበዩዎ እስራኤል ዑቕባ ክኾኖም ዘይምኽኣለ ኣገንዚቦም። ጉዳዮም ኣብ ዓለም ኣቓልቦ ክረክብ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣህጉራውያን ማሕበራትን ማዕከናት ዜናን ድምጾምም ኣብ ምስማዕ ክደጋገፉዎም ጸዊዖም።

እቶም መሪሾም ዶብ ግብጽን እስራኤል ዝበጽሑ ስደተኛታት ናብ ሲናይ ገጾም ክቑርጹ መደብ ኳ እንተነበሮም፣ ወተሃደራት እስራኤል ዓጊቶም 300 ሜትር ንድሕሪት ተመሊሶም ክስለፉ ከምዝሓበሩዎም ይሕብሩ።

 

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ምስ ገለ ካብቶም እሱራት ሖሎት ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣብ ናይ ጽባሕ ፕሮግራም ራድዮ ኣሰና ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • weygud June 30, 2014

    mecheam bezuh endeyena nereen nesemeyen delena haderakum suqh elom entehelefekum keyeteatewu nab sinai mekiniyatu qhulih elu zereyi alem yelean abeta delekuma koyenekum ketemenewom fetenu

POST A COMMENT