Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ካብ ደብረ ቢዘን – ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ገላ 5፡ 1።

  በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ! ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ገላ 5፡ 1። ምኽንያት ጽሑፈይ በቲ መግለጺ ወጽዩ ዘሎ ብሽፋን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝብልዩ:: ቅድስና ይትረፍሲ ሰብ ምኻን

 

በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ!
ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ገላ 5፡ 1።
ምኽንያት ጽሑፈይ በቲ መግለጺ ወጽዩ ዘሎ ብሽፋን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝብልዩ:: ቅድስና ይትረፍሲ ሰብ ምኻን ኣጥፊኡ ዘሎ ሲኖዶስ እዩ:: ንቅዱስ እንጦንዮስ ብእምነት ክኸስዎም ብቅዓት ኮነ ሞራል የብሎምን:: ቅዱስ እንጠንዮስ ድምጾም ተሰሚዑ መልእኽቲ ፈንዮም ምስ ተሰመዓ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂሶም ኣይፈልጡን እዮም:: ነቲ ዝገበርዎ በደል ብየቅሬታን ብትሕትናን ከይዛዝምዎ ናብ ሰይጣናዊ ዝኾነ ህልኽ ምእታዎም ንቤተክርስቲያና ዓብይ ዉድቀት ኮይኑ ኣሎ:: እዚኹሉ ዝግበር ዘሎ ዋናታቱ እቶም ሰብ ፖለቲካ ምኻኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ሓቂ እዩ::
ሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ነጻ ወጽያ ምስ ተሰመዓ ነጻ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ክትህልወና፡ ከምኡዉን ሰላምን መሰል ደቂ ሰባትን ዝነገሳ ኤርትራ ክርኢ ዘይባሃገ ኣይነበረን። ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቃ ከም ዝብሃል፡ ደጊምና ኣብ ጽኑዕ ኣርዑት ባርነት ተቆሪና ንርከብ ኣሎና። ዉጽኢት ናይ ዘለናዮ ባርነት ድማ ንጹሃት ሰባት ክእሰሩን ክግፉዑን ክቅተሉን: መንእሰያት ደቅና ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ልሙድ ትዕዝብቲ ኮይኑ ኣሎ::
ደብረ ቢዘን ነቲ ዘይቅኑዕ መሪሕነት ብዝተፋላለየ መገዲ ክንቃወሞ ምጽናሕና ድማ ይዝከር። ክኣስሩና ከፈራርሑና ክድህሉና ምጽንሖም ብመራኸቢ ብዙሓን ክስማዕ ጸኒሑዩ። ሕጂ ድማ ካብቶም ተባዓት ኣቦታት ደብረ ቢዘን 5 ፈለስቲ ምእሳሮም መቀጸልታ ናይቲ እኩይ ተግባራቶም ምኻኑ እዩ።
ኣቦታት ደብረ ቢዘን ኣብ ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ጸኒዕና ደዉ ምባልና ሻቅሎት ዝፈጠረሎም መራሕቲ ፖለቲካ፣ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝረእ ዘሎ ለዉጢ ድማ ደብረ ቢዘን ብሓይሊ ከይትንስኡ ካብ ዝብል ፍርሒ ሕጅዉን ነቲ እከይ ተግባራቶም ይቅጽልዎ ኣለዉ::
ፈለስትና ምእሰሪኦም ምኽንያት ብዉሕዱ ክልተ ነጥቢ ክንርኢ ንኽእል: እታ ቀዳመይቲ ሓይሊ ደብረ ቢዘን ፈጺምካ ንምድኻም እታ ካልኣይቲ ድማ ንቅዱስ እንጠንዮስ ገዲፎም ሓዱሽ ፓትርያርክ ክሸሙ ስለ ዝደለዩ እዮም:: ነቶም ምኩራት ፈለስትና ኣሲሮም ንቤተክርስቲያና ክበታትንዎ ምስቶም ጸላእቲ ቤተክርስትያን ኢድን ጋንትን ኮይኖም ይሰርሑ ምህላወም ናይ ኣዳባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ::
እዚ ዝግበር ዘሎ ዳግማይ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጠንዮስ ንኹሉ ወዲ ሃገር ኣብ ፍትሕን  መሰል ደቂ ሰባትን ብዝግባእ ዝተረደእ ዝምልከት እዩ:: እቶም ደቂ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድማ ነዚ ኹሉ ግህሰት እናሰማዕኩም ምጽቃትኩም ዝገርም እዩ:: ገሌኹም ደቅና ካህናትን ድያቆናትን እዚ ክግበር ዝጸነሐ ጌጋ ኤልኩም ምትሳእኩም ሰሚዕና ተሓጊስና ነበርና: ሓጎስና ምሉእ ዘይምግባርኩም ድማ ከም መጠን ዝተሓጎስናዮ ጉሂና ኣሎና::
ከምቲ ዝተሳእኩሞ ምስቶም ኣቀዲሞም ደዉ ዝበሉ ኣቦታትኩም ደዉ ክትብሉ እምበር ቅዱስ እንጠንዮስ ኢልኩም ሓዱሽ መገዲ ክትምስርቱ ንረብሓ ቤተክርስቲያና ኣይኮነን: ደቀይን ኣሕዋተይን ከምዚ ትኸድዎ ዘለኹም ምምቅቃል ንረብሓና ዘይምኻኑ ተረዲእኩም ሕበሩ: ዘየራዳድእ ትምህርቲ እንተለኩም ድማ ባዕልኻትኩም ኣብ ንሕድሕድኩም ኣይትፈራረዱ: እቲ ቅዱስ ጽሕፍ ከም ዝብሎ ኣይትፍረዱ ከይትፍረዱ እዩ:: ንጉዳይ ትምህርቲ ዝምልከት ነዓና ግደፉልና ጸላኢ ሃገርናን ቤተክርስቲያናን ምስ ተፋነወ ኮፍ ኢልና ክንፈትሖ ኢና:: ቤተክህነት ተዋሕዶ ኩሉኻትኩም ኣብ ስደት ዘለኹም ናይ በሓቂ ፍቅሪ ሃገርኩምን ህዝብኹምን እንተለኩም ኣብ ነንሕድሕድኩም ምዉግጋዝን ምብልላዕን ገዲፍኩም ኣብ ሓደ ተጠርኒፍኩም ነቲ ኣብ ፍልልያትና ዝነብር ዘሎ ስርዓት ካብ ስምዒትን ህልኽን ወጺኹም ብፍልጠትን ብልቦናን ክትገብርዎ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ:: ኣብዚ እዋን ቅዱስ እንጦንዮስ እናበልኩም ኣብ ምፍልላይ እትርከቡ ደቅና ናይቶም ፈላለይትና ሓገዝቶም እምበር ጠቅምትና ኣይኮንኩምን:: ምኽንያቱ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ቶንከል ንሰምዖምን ንዕዘቦምን ኣሎና: ቅዱስ እንጦንዮስ ይበሉ ግደፍዎም ብሓደ ከይሓብሩ ምስቶም ቀዳሞት ጸላእትና ከይጽምበርዎም  ተጠንቀቁ ክበሃል እዩ ዝዉዕል ዘሎ:: እምበኣር ደቀይን ኣሕዋተይን ከይተረዳኣና መሰርሒ ናይቶም ጸረ ቤተክርስቲያናን ሃገርናን ከይንኸዉን በቲ ዘሎኒ ሓላፍነት እምዕደኩም ኣለኹ::
እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዝብሎ “ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ” ሉቃስ 11: 23:: ኣብ ጉዳይ ሃገር ይኹን ኣብ ጉዳይ ቤተክርስቲያን ሓቢርኩም ተሳኒኹም ምቅላስ ክተማዕብሉ ኣለኩም:: ንሕና ገዳማዉያን ፈለስቲ ዝፈለጥናዮ ኣብ ምዕቡል ዓለም ተቀሚጥኩም ዶ ክጠፍኣኩም ኮይኑ:: ዓወት ናይ ጸላኢና ኣብ ምብታና ዓወት ናይ ህዝብና ድማ ኣብ ምሕባርና እዩ:: ፓትርያርክና እንጦንዮስ እዮም ኣብ ምባል እንተበጽሕኩም ኣብ ሓደ ተጠርነፉ እምበር ምኽንያት መፍረቲ ነቲ ዝጸነሐ ሕብረት ኣይትኹኑ::
ደቂ ሃገርናን ኣሕዋትናን ካቶሊካዉያን ጳጳሳት ብሐደ ኾይኖም ሰሚሮም ክዓዩ ጸኒሖም ኣለዉ: ንሕና ከይንሓብር ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ንዓመታት ተሰሪሕልና እዩ:: እቶም ኣብ ስደት ዘለኹም ኣብ ዓዲ ነጻነት ክትሓብሩን ክትላዘቡን ኣብ ሓቂ ክትጸንዑን ዘይምኽኣልኩም ምስ ምንታይ ከም ዝቁጸር ክንርደኦ ኣይከኣልናን ዘሎና:: ነቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሎካዊት ቤተክርስቲያን ሃገርና ዝግበር ዘሎ ግህሰት ድማ ብትሪ ንኹንን:: ካብ ሕጂ ጀሚርና ብሓባር ንቃለሰሉ መድረኽ ክንፈጥር ግዚኡን ሰዓቱን ኣኺሉ ኣሎ:: ምኽንያቱ ከምቲ ንተዋሕዶ ቤተክርስቲያን በብቅሩብ ዝተቃጻጸራን ዝደፈርዋን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከይተደገመ ኸሎ ብሕብረት ምቅላስ ዉዐል ሕደር ዘየድልዮ እዋናዊ ኮይኑ ኣሎ::
ኣገልጋሊ ኮይኑ ንዓመጽን ጭኮናን ክድግፎ ኣይግበኦን እዩ:: ዓደበኹም ፈቲና ዘይኮና ተገዲድና ነዚ ዘሎ መንግስትን ምሕደርኡን ኣርሕቀልና እናበልና ካብ ምጽላይ የዕሪፍና ኣይንፈልጥን። ምኽንያቱ ገዳማትና ደኺሙ ኣብያተ ክርስቲያናትና ካህናትና መኖኮሳትና ደኺሞም ህዝብና ረብሪቡ ተመኒና እዩ፡ ዓደበኹም ከረግም እምበር ከምቲ ቀደም ጽኑዕ ርገጹ እናበለ ክምርቆም ካብዘይንሰምዕ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ:: ሐደ መዓልቲ ድማ ንፈርኦን ዝወሓጦ ማይ ንጸላእቲ ሃገርናን ቤተክርስቲያናን ክዉሕጦም እዩ፡ ስለ ዝደለናዮ ዘይኮነስ እግዚኣብሔር ነቲ ሕሱም ዓማጺ ከምኡ ገይሩ ከም ዘጥፈኦም መጽሓፍትና ስለ ዝመሃሩና ኢና::
 “እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ” 1ጴጥሮስ 5: 9:: ከም ዝበለ ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ ኩላትና ከም ሓደ ህዝቢ ኮይና ንዓመጽ ዘበለ ምቅዋም ክንክእል ልዑል እግዚአብሔር ይደግፈና::
እግዚኣብሔር ንሃገርናን ቤተክርስቲያናን ይባርኽ::
ኣባ ጳዉሎስ ዘደብረ ቢዘን
ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT