Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለበዋ ን’ደራኺ ለውጢን ምዕባለን መንእሰይ ወለዶ፡

ዮውሃንስ ጸጋይ - ሎንዶን - 25 August 2014 ናይ ሎሚ ሓጺር ጽሑፈይ፡ ነቲ ደራኺ ለውጢን ሞዕባለ ሓደ  ሃገርን ዝኾነ መንእሰይ ኤርትራዊ፡ ዝዓለመት ኢያ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ውዳበታት ማሕበራት መናአሰይ ማለት፡- EYSNS, EYSC ዓርቢ ሓርነት,…ወዘተ

ዮውሃንስ ጸጋይ – ሎንዶን – 25 August 2014

ናይ ሎሚ ሓጺር ጽሑፈይ፡ ነቲ ደራኺ ለውጢን ሞዕባለ ሓደ  ሃገርን ዝኾነ መንእሰይ ኤርትራዊ፡ ዝዓለመት ኢያ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ውዳበታት ማሕበራት መናአሰይ ማለት፡- EYSNS, EYSC ዓርቢ ሓርነት,…ወዘተ ዝፍለጣ ማሕበራት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ፖለቲካውያን ውድባት ኮይኖም ዝነጥፉ ዘሐብኑ መንእሰያት ኣለዉና። ይኹን’ምበር፡ እቲ ንፍትሒ ዝግበር ቃልሲ፡ ብዓወት ንክጎዓዝን ሸቶኡ ክቀላጠፍን፡ ንእሽቶ ለብዋይ ክልግስ ስለዝደለኹ ኢየ።

መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ዘመስከሮ መስተንክራዊ ተወፋይነትን ጅግንነትን፡ ንዓለምና ዘደነቐ ምንብሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። አዚ ድማ ኽንሕበንን ክንኮርዕን ይግባእ። ብዘይ ጉለታት ኣብ ዓወት ዝበጽሕ ሰውራ ስለዘየለ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰውራና ነይሩ ዝበሃል ድኻማት፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ቃልሲ ብዝጸፈፈ ንክንመርሖ መምሃሪ ጥራይ ኢዩ ክኾነና ዘለዎ። ተመኩሮን ታሪኽን ናይቶም ኩሎም ኣብቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ዝሰርሑ ኣያታትና፡ ብህይወት ከይሓለፉ ከለዉ ተቐቢልናን ሰኒቕናን ክንስንዶን ነቲ ቅያ ድማ ንቕድሚት ክንደፍኦን ይግባእ። “ኩሉ ናይ ትማሊ ኒየው በሎ!” ዝብል ኣበሃህላ ንታሪኽ ጅግንነት ኤርትራውያን ምህሳስ ጥራይ ኢዩ ክከውን’ሞ ንጠንቀቕ።

አርትራ፡ ካብዚ ዘላቶ መዋጥር ኣግላጊሉ ሓርነት ህዝባ ክውን ንምግባር ዓቢ እጃም ክገብር ትጽቢት ዝግበረሉ እምበኣር፡ ከምቲ ናይ ትማሊ መንሰይ ወለዶ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ኢዩ።

ቃልሲ መንእሰይ ኤርትራ፡ ብዝሰለጠ ኣገባብ ዕላምኡ ክወቅዕ ዝኽእል፡ ነቲ ኣወንታዊ ታሪኻዊ ተመኩሮ ኣያታቱ ዓቲሩ፡ ንሓድሕዱ ብክፉት ሕልናን ሓንጎልን ኢሂን-ምሂን እናተባሃሃለን እናተደጋገፈን፡ ነቲ ተበጋጊሱ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ካልኦት ማሕበራዊያን ሓይልታትን፡ ብኣካል ተሳቲፉ እናኣሓየለንን መስመር ናይቲ ቃልሲ እናኣስተኻኸለን ምስዝምርሽ ኢዩ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ዋና ጉዳዩ ወይ ወሳኒ ፡ ባዕሉ እቲ ኤርትራዊ ድኣም’በር ዝኾነ ባዕዳዊ ኣካል ክኸውን ክፈቅድ ኣይባአን። እዚ ክበሃል ከሎ፡ ንዕላማ ቃልሲ ብዘይሃሲ ኣገባብ ካብ ፈተውቲ ደገፋት ምቕባል ወይ ምሕታት ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ህይወት ሓደ  ህዝቢ ክመጽእ ዝሕለን መሰረታዊ ለውጢ፡ ብብስለት ናይቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህዝቢ ዘሎ ኩነታት ኢዩ ዝውሰን፡ ግዳማዊ ረቛሒ ወይ ደገፍ ነቲ ውሽጣዊ ኩነታት መቃላጠፊ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኸእል። እቲ ውሽጣዊ ኩነታትን ንቕሓትን ኤርትራዊ ክብ ንክብል አምበኣር፡ ኤርትራዊ መንእስይ ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ካብታ መንእሰያትና ናብ ሳዋ ዝወረዱላ ደቒቕ ጀሚሩ፡ ንቕሓቶም  ክምጥምዝዛን በቲ ናቱ ስነሓሳብ ንምሕጻብን ኣሐይሉ ይሰርሕ ይርከብ። ኣብ ደገ ድማ። ብስም YPFDJ፡ ማለት መንእሰያት ህግደፍ፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም፡ ነቲ ስነሓሳብ ከስርጾ ኣበርቲዑ ይስርሕ። ናይቲ ብስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ናብ መንእሰያት ዘተኮረ ፕሮፓጋንዳን ስነሓሳብን ንምርዳእ፡ ኣብዚ ጠውቑ፡- ቀዳማይ ክፋል፡  ካልኣይ ክፋል

አምበኣር፡ መንእሰይ ከም ንጡፍ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ምዃኑ መጠን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ፡ ናብ ሓደ ሓያል ጽላል ውድብ  ገጹ ክማዕብሎ፡ ንቕሓት መንእሰይን መላእ ሕብረተሰብን ክብ ከብልን ናብቲ ቅኑዕ ማእዝን ገጹ ክመርሖን ከምዝግባእ፡ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎን እምበኣር፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ እዋናዊ ተደላይነት (necessity) ኢዩ። ብግቡአ ዘይተወደበን ንጹር ራእይ ዘይወነነን ምንቅስቓስ ከድምዕ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቕሚ መንእሰይ ኤርትራዊ፡ ንፍትሒ ብሙሉአ ሓይሉ ክደፍኣሉ ኣለዎ። እቲ መሰረታዊ ፡ ንኤርትራን ህዝባን ተሓሪሙዎም ዘሎ መሰል፡ ብቅዋም ዝእዘዝን ዝምራሕን ህዝባዊን ዲሞክራስያውን መንግስቲ ክተኽሉ ዕድል ዘይምርካቦም ኢዩ። እዚ ርሱን እዋናዊ ኣርእስቲ’ዚ፡ እቲ ቀንዲን ንኹሉ ደላይ-ፍትሒ ዝሓቁፍን ዕማም ኢዩ። ኩሉ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ይኹን፡ ከምኡ’ውን ከም ደላይ-ፍትሒ ክቃለስ ተበጊሱ ዘሎ መንእሰይ ኣብዚ መትከል’ዚ ክጸንዕ ኣለዎ። ምኽያቱ፡ እዚ ንኩላትና ኤርትራውያን ዝጠምረና፡ ንድሌታትና ዘስምርን ርሱን ጠለብ ስለዝኾነ። ዝኾነ ጓል-መንገዲ ወይ ደቀቕቲ ፍልልያት መሰረታዊ ኣይኮነን፡ ከፈላልየና ድማ ኣይግባአን። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣዚና ንቑሓት ክንከውን ኣሎና፡ ብዝተረፈ፡ መፍቶ ናይቲ መሰል ኤርትራዊ  ድሂኹ፡ ብራዕዲን ሽበራን ዝገዝኣና ዘሎ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኢና ክንከውን። ነቲ ህግደፍን መጋበርያታቱን፡ ካብ ገንዘብ ሃገር ተተቒሙ  ልዑል ወጻኢ እናኣፍሰሰ፡ ብስም ፈስቲቫላትን ካልእ እከይ ተግባራትን ክዕወተሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምብትትታን ደምበ-ደለቲ ፍትሒ፡ ከይተረደኣና ደገፍቲ ከይንኸውን ምጥንቃቕ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኩሉ ዘይ መሰረታዊ ፍልልያት ናይ ዝተፈላለየ ውዳበታት ደለቲ ፍትሒ፡ ቅድሚቲ ቀዳማይ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ክስራዕ የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓባር ንምስራሕን ናብ ሓደ ውዳበ ንምምጻአን ዕንቅፋት ክፍጠር ክትፈቅድ ኣይግባእን። ብኣንጻሩ፡ ንኹሉ ኣብ ቃልሲ ክሳተፍ ዝደሊ ውድብ፡ ጉጅለ፡ ወይ’ውን ውልቀሰብ፡ ክትሓቁፍን ከተተባብዕን ይግባእ። ረብሓን ድሌትን ህዝቡ ብግቡእ ዝተገንዘብን ፡ ኣብ ሓደ ዝሰመረን ቅልጽም፡ ከቶ ዓጋቲ የብሉን።

መንእሰይ ደራኺ ለውጢን ምዕባለን ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ውዳበታት ደለይቲ ፍትሒ ብምስታፍ፡ ዳግማይ ቅያ ክትሰርሕ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ይጽብየካ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ሽቑረራ እትነብር ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን እቲ ደረ-ኣልቦ ሃገራዊ-ኣገልግሎትን እትርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ!  ናይቶም ቅዋምን ፍትሒን ስለዝጠለቡ ጥራይ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ስዉር ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ብዘይ ፍርዲ፡ ንመዋእል ተሓይሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ እናዘከርካ፡ ነቲ ዝተበገሱሉ ዕላማ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሑ ሓላፍነት ኣሎካ። ተሰኪምካዮ ዘሎኻ ዕጥቂ፡ በጃ ህዝብኻ ስለዝኾነ ኣንጻር ህዝብኻ ኣይተቕንዓዮ። እቲ ጠላም ናይ ውሑዳን ጉጅለ ህግደፍ፡ ን’ሕድሪ ናይቶም ብኣእላፍ ብጅግንነት ዝወደቑ  ኣያታትካ፡ ኮሊፉ ሒዙዎ ኣሎ። ነቲ ኣብ ባይቶ ኤርትራ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ፡ ረጊጹ፡ ንባይቶ ኤርትራ ድማ ኣፍሪሱ፡ ብዘይ ሕጊ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ፡ ንህዝቢ ኤርትራን መንእሰያትናን ናብ ዓዘቕቲ ሸሚሙና፡ ኣደዳ ስደትን ክትጸውየሉ ዘስካሕክሕ መቕዘፍቲን ገይሩና ይርከብ ኣሎ። ካብዚ ስቅያት’ዚ ከተገላግሎ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊሙ ይጽውዓካ ኣሎ

ዮውሃንስ ጸጋይ

ሎንዶን

25 August 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • shaka August 29, 2014

    who is going to tie the bell to the rat?not me

  • Debesay Hadgu September 2, 2014

    I think this is a very constructive message. I really agree with Yohannes. Either directly or indirectly we are supporting PFDJ. I don’t understand why we are attacking each other while our enemy is out there. We have only one enemy. He is Isaias. That’s it. All the rest who claim to support Isaias are either cowards or indifferent. They are our brothers and sisters who suffered a lot from Isaias’ evil actions. Isaias has no supporter at all guys. Go to their house and they will say to you “Our country is in a deep shit”. So please guys don’t attack each other because it is a big asset for Isaias. Even Amanuel Assenna should refrain from that. No body has exclusive right to attack any one apart the enemy which is clearly the government in Asmara.

POST A COMMENT