Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ እዋናዊ ሓበሬታ – ረዚንን ግዜ ዘይህብን መጠንቀቅታን መጸዋዕታን ንህዝቢ ኤርትራ

  ህጹጽ እዋናዊ ሓበሬታ   ረዚንን ግዜ ዘይህብን መጠንቀቅታን መጸዋዕታን ንህዝቢ ኤርትራ ዝኸበርካ ሓየት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጽናቲ ኢሳይያስን ዕርቃኑ ወጺኡ ዘሎ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ዝመትከሉ ፋሉል ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ህግደፍን፡ ንህይወትካን ድሕነትካን ኣብ ሓደጋ ንምውዳቅ መጠነ ሰፊሕ ግብረ-ሽበራዊ ስርሒታት ክገብርን፡

 

ህጹጽ እዋናዊ ሓበሬታ

 

ረዚንን ግዜ ዘይህብን መጠንቀቅታን መጸዋዕታን ንህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርካ ሓየት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጽናቲ ኢሳይያስን ዕርቃኑ ወጺኡ ዘሎ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ዝመትከሉ ፋሉል ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ህግደፍን፡ ንህይወትካን ድሕነትካን ኣብ ሓደጋ ንምውዳቅ መጠነ ሰፊሕ ግብረ-ሽበራዊ ስርሒታት ክገብርን፡ ንርግኣትን ሰላምን ምንቅስቃስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቅን ደም ሓያሎ ንጹሃት ብምፍሳስ ዛንታ መቃድሾን ካቡልን ኣብ ፈቀድኡ ክፋላት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቂሶም ዘለዉ ወሰንቲ ኣካላትን ኣገደስቲ ቦታታትን ኩልንትናዊ ሞትን ዕንወትን ንምፍጻም ተዳልዪ ከም ዘሎን፡ በቶም ኣብ ጽርግያ ዘሪእዎም ዘሎ መትከልን ዘርኢ ኤርትራን ዘይብሎም ዕሱባት ኣሸበርቱ ክፍጸም ረቂቅ ዝኾነ ምስጢር ተዋሂቡ ከም ዘሎን፡ ካብ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ዘሎ እሙን ኣባል ኤርትራዊ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ንእሽተይ ወለዶ ዝመጸ ምስጢራዊ ሓበሬታ ከም ዘለዎ እናሓበርና፡ ረዚን መጠንቀቅታ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነቅርብ ኣሎና።

ኣብዚ ኣሸባርን ሰላዪን ኢሳይያስን ጉጅልኡን፡ ጎረርኦም ብኢድ እቲ “ይኣክል” ኢሉ ዝተስአ ምልኪ ዝመረሮን ፍትሒ ዝተነፍጎን ህዝቢ ኤርትራ ተሓኒቆም ኣብ ጻዕረ ሞትን ኣብ ናይ ዓቅሊ ጽበት ፈንጠርጠር መድረኽ ቅብጸት በጺሕሉ ዘሎ ህሞት፡ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ነቲ ካብ ጫፍ-ንጫፍ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብዘለዉ ኤርትራውያን፡ ባልባል ዝብል ዘሎ ናይ ህዝቢ ማዕበላዊ ሓይሊ ንምስንኻልን ንምድህላልን በቲ ሓደ፡ ነተን ዕምሪ እዚ ውልቀ-መላኽን ወጦታቱን ካብ ሱሮም ንምምሓው ካብ ብርኪ ኤርትራውያን ዝወጻን፡ ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ብዝጽንበርወን ዘለዉ ምዑታት ጀጋኑ ኤርትራውያን በየ መዓልቲ ዝስስና ዘለዋ ምንቅስቃሳት፡ ነዚ ግብረ-ሽበራታት ከም ዝፈጸምኦ ኣምሲልካ ንምግዋሕ፡ ኣንጻረን ንምትሳእን ሰንሰለታዊ ምትእስሳረን ንምብትታኽን ዝዓለመ ምዃኑን፡ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣስሚርልና ኣሎ።

ኣብዚ ብህይወትን ኩሉ ዓይነት ንብረትን ኤርትራውያን ኣብ ናይ መወዳእታ ህሞት ንምልኽኻም ተተሒዙ ዘሎ ረቂቅ ግብረ-ሽበርዊ ወፍሪ ኣጽናቲ ኢሳይያስ፡ እዞም ዝስዕቡ ተፈንጀርቲ ኣጽዋረትን ተባራዕቲ መሳርያታትን (ባእታታት) ድሮ ተዳልዮም ኣብ ዓዲ-ሃሎ ከም ዘለዉ፡ እቲ ካብ ዓዲ-ሃሎ ዝመጸ ምንጪ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥-

  1. ፒሮ መሳሊ ተፈንጃሪ ባእታ
  2. ሳምና መሰል ተፈንጃሪ ባእታ
  3. ማስቲካ መሰል ተተኮስቲ
  4. ፈሰስትን ሓሪጫዊ ባህርያት ዘለዎም ተባራዕቲ (Bio-chemical explosives)
  5. ሽኮር መሳሊ ተባራዒ ባእታ
  6. ጸረ-ሰበን ተሽከርከርትን ዝኾነ ወተሃደራዊ ነተጒትን ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉን እዮም።

ኣውራ ዕላማታት ኮይኑ ዘሎ ኣካላትን ቦታታትን እዞም ዝስዕቡ’ዮም

  1. ንኣካይድኡ ዝቃወምዎ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍትን ተሰማዕቲ ሰበ-ስልጣናትን፡ ንሳቶም ዝጥቀሙለን መንግስታውያንን ውልቃውያንን መካይን
  2. ኣብ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባታት
  3. ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝሃባ ተሽከርከርቲ ብፍላይ ድማ ብዝሒ ሰባት ዝጽዕና ናይ ከተማ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት
  4. ብብዝሒ መንእሰያት ኣብ ዝእከብሉ ቦታታት፡ ብፍላይ ከባቢታት ዕዳጋ-ሓሙስ፡ መደበር፡ እንዳ-ማርያም . . . ወዘተ
  5. ህዝቢ ኣብ ዝከበሉ ቤት-ጸሎታት ማለት ቤተ-ክርስትያናትን መሳጊድን
  6. ኣብ ናይ ውልቂ ዓበይቲ ትካላትን መካይንን፡ ብተወሳኺ ናብ ዞባታት ዝወጻን ዝንቀሳቀሳን ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት

ኣውራ ዕላማታት እዚ ረቂቅ ዝመስል ግብረ-ሽበራ ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ፦

  1. ቅድሚ ኹሉ፡ ህዝቢ ምስቲ ድሮ ኣብ ኤርትራ ዴሞክርስን ፍትሕን ከንግስ ተሲኡ ዘሎ ሓይል ምንቅስቃሳት ንምንቋት።
  2. ነቲ ምንቅስቃስ ንሓድነትን ሓባራዊ ረብሓ ኩሉ ኤርትራ ዜጋ ከም ዘይኮነ ኣምሲልካ፡ ግብረ-ሽበራዊ ምንቅስቃስ ከም ዝኾነ ንምምሳል።
  3. ብስም ግብረ-ሽበራን ውሽጣዊ ዘይምርግጋእን ብዝብል ጉልባብ፡ ሓላዪ ህዝቢ ተመሲሉ ብግፋ መንእሰያት ንምልቃም ምኹንይ ገይሩ፡ ነቲ ተሲኡ ዘሎ ምንቅስቃስ ንምጥፋእ።
  4. ምስ ከባብና ዘለዋ ሃገራት ንምግጫውን ተጻብኦታት ኣሎና ንዝብል ዝበለየ ጽንጽዋያት ከም ብሓድሽ ብኻልእ መልክዑ ንምጅማር። (እዚ ማለት፡ ምስቲ ብሰፊሑ ኣብ ህዝቢ ክጉስጎሰሉ ጀሚሩ ዘሎ ምስ ወያነ ምውጋእ ከድልየና’ዩ ዝብል ዝሞተ ዘመተ፡ ብምትእስሳር እንተ ሪእናዮ፡ ህዝቢ “ምስ ወያነ ኩናት ኣይድልየናን” ንዝብል ተሪር ኣብያ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብኢድ ኣሸበርቲ ዝተቆጽሩ መጋበርያታት ህግደፍ ንዝፍጸምዎ ግብረ-ሽበራ፡ ወያነ ከም ዝገበረቶ ኣምሲልካ ብማዕከን ነውሪ ዝኾነት ኢሳይያስ-ቲቪ ደጋጊምካ ብምጥቃንን ብምግዋሕን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ኩናት ንምጥባስ እዩ።)
  5. ኢሳይያስን ስርዓት ኣጽናቲ ጉጅልኡን፡ በዚ ብኢዱ ዝፍጸም ግብረ-ሽበራታት ነቲ ተላዓሉ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ማዕበል ኣንፈቱ ንምጥምዛዝን፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ቅልውላውን ዕግርግርን ብምፍጣር፡ ነቲ ዕግርግር ትፈትሕ ሓላዪ ተመሲልካ ናብ ረብሓ ምንዋሕ ዕምሪ ኣጽናቲ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ምልዋጥ እዩ።

 

ስለዚ፡ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ኣጽናቲ ኢሳይያስን ፋሉል ግጁልኡን ተዳልዪሉ ዘሎ ግብረ-ሽበራዊ መስርሕ፡ ኣዚኻ ክትነቅሓሉን ብኣዝዪ ጥንቁቅ መገዲ ክትመላለስን፡ ቅድሚ ዝኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግርግር ምፍጣሩ፡ ዕምሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ከነሕጽሮ፡ ኩሉኻ ኢደይ-ኢድካ ክትብል ረዚን መልእኽትና ነስምዕ ኣሎና። እቲ ግዜ ዘላቡ ኣይኮነን እሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብግርህነትካ መፍቶ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሳይያስ ከይትኸውን፡ ካብ ሕሉፍ ተግባራቱ ተማሂርካ ካብ ድቃስካ ተስእ።

እዚ ነገር ኣይገብሮን’ዩ ትብል እንተሊኻ ግን፡ ትማሊ ትማሊ ዝተፈጸመ ህልቂት 26 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ከም ኣናጹ ብመርዚ ሲያናይድ ዝተብልዑ፡ ብኣርባዕተ በራጊድ ህዝቢ ሳሆ ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝረገፉ፡ ኣብ ምድሪ ደንከል ኣጽናቲ ኢሳይያስ ዝለኣኾም ኣሸበርቲ ፈንጂታት ብምትካል ንህዝቢ ዓፋር ግዳይ ዝገበሩ ጉጅለ ናይዚ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ተጸሚዱ ዘሎ ፋሉል ህግደፍ ምዃኖም ኣይትረስዕ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኩሉኹም ምስ ህዝብኹም ደው ኢልኩም ዘለኹም ላዕለዎት ሓለፍትን ተሰማዕቲ ኣካላትን ድማ ኣጽናቲ ኢሳይያስ ኣብ ቀዳሞት ታርጌት ኣእትይኩም ከም ዘሎ ትስሕትዎ ኣይንብልን። ከምኡ’ውን፡ ብኣንጸርጽሮት እዘን ድሮ ኣብ ምንቅስቃስ ዝርከባ ህዝባዊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኤርትራዊ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ንእሽተይ ወለዶን ካልኦት ሓያሎ ብወሃዮታት ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ምዑታት ኤርትራውያን ዓቅሊ ኣጽቢቡ ዘሎ ጸላኢ-ኤርትራውያን ዝኾነ ሰላዪ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ከም ዝበጽሐ ኩልና ከነስተብህለሉ ይግብኣና። ስለዚ፡ ሃየ ነዚ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ርእሱ ዝንቅንቀልኩም ዘሎ ኣጽናቲ፡ በብሓደ ከየጽነተኩም ንምጽናቱ እጅገኹም ሰብስቡ፡ ናብ ህዝብኹም ልገቡ። እቲ ዘለኩም ግዜ ሕጂ’ዩ። እቲ ምንታይ’ሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ስርዓት ኢሳያይስ ኣጽናቲ ጉጅልኡ ነባሪ ስለ ዘይኮነ።

 

ካብ ኣባል ኤርትራዊ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ንእሽተይ ወለዶ

ዓዲ-ሃሎ

ኤርትራ

ሚያዝያ 2019

ዓወት ንሓፋሽ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Haile April 21, 2019

    ዛንታ ሰዲግ ዘክር በሎ ንህዝብይ ኤርትራ እትይ ንህዝብይ ከጥፍእ ተኣዚዙ ኣብ ምድላዋት ዝርከብ ዘሎ

  • Woldegabriel April 21, 2019

    When I read this information. I was really disturbed. At a second thought, I wondered why, because I don’t expect anything less from sinister and evil mind dictator. However, since “the game changer” YEAKEL Movement has been initiated, the evil dictator has been completely disshuffled, disconcerted, distracted and overwhelmed by the spontaneity and unity of the Eritrean people. I have no doubts in my mind that the YEAKEL Movement will seal the last nails on his coffin. But we must think outside the box. I will briefly try to elaborate it. Apparently, in most calls for ending dictatorship in Eritrea, most of us are inclined that we can not succeed in dislodging the dictator without the assistance or compliance of the army ( including the police and the security forces). I presume many diaspora Tegadelties who are members of the struggle for justice have tried it and failed. (I am fairly sure they tried to recruit their old comrades in-arms to join against isayas). We must unequivocally understand that the dictator can squash any organized opposition (be it overt or covert) because he has immense resources ( financial, human, technological and diplomatic) at his disposal. It would be futile to play a game he has refined for many decades. We .must set the playing field where we define the game and its paces. The YEAKEL Movement is our only (my opinion) pathway to our deliverance. It is time the world should listen loud and clear to what we Eritrean have gone through. Apart from the social media, we must organize a worldwide peace rally that will shake the status quo within and other powers to open their eyes. This momentum will induce a popular revolt inside Eritrea. Naturally, things could get rough, but there is no freedom without sacrifice. You don’t dispose a tyrant through peaceful means. That has been tried several times and failed. At the end the soldiers who are our brothers, fathers, sons, uncles, cousins, friends, etc will join (follow) the popular movement. (That should be the sequence not the other way round). For that matter the coward dictator would not dare any direct confrontation that puts him in the limelight of international scrutiny. To avoid such confrontation, he will mobilize his well lubricated propaganda machinery to instill fear on the population. Fear and divide and rule are his weapons. They shall be no more. God/Allah bless Eritrea.

  • Haile April 21, 2019

    ኣነ ሓንትይ ክሕልፋ ዝደልይ መልእኽትይ ንህዝብይ ኤርትራ ብፍላይ ነትይ ንህዝብይ ኤርትራ ከጥፍእ ኢሉ በትይ ስርዓት ተላኢኹ ኣብ ምድላው ዝርከብ ዕጫ ሰዲግ ኣብ ብዓል ናጽነት ህዝብይ ዘጥፍአ በዝይ ስርዓት ሰልጢኑ ኣብ መወዳእትኡ በትይ ስርዓት ተቐጥቕጡ ዝሞተ ሕጅይ ውን እዝይ ከምኡ ይድገም ኣሎ እሞ ነቶም ነዝይ ዝሓስቡ ዕጭኦም ዕጫ ሰዲግ ከይትኸውን ሓብሩልና::ካብዝይ ናይ ጥፍኣት ስራሕ ክርሕቑ ክቃወሙ ከም ዘለዎም ሓብሩልና ኣቃልሑልና

  • Haile April 21, 2019

    ህልቂት ባረንቱ ስርዓት ኢሰያስ ዝኣለሞ ኣብ ባረንቱ ዩ ነሩ ሽዑ ድማ ወያነ ይብል ::እትይ ሓቅይ ግን ወያነ ኣይኮነን ንሱ ባዕሉ ኢሰያስን ስርዓቱን

  • Haile April 21, 2019

    ኣነ ሓንትይ ክሕልፋ ዝደልይ መልእኽትይ ንህዝብይ ኤርትራ ብፍላይ ነትይ ንህዝብይ ኤርትራ ከጥፍእ ኢሉ በትይ ስርዓት ተላኢኹ ኣብ ምድላው ዝርከብ ዕጫ ሰዲግ ኣብ ብዓል ናጽነት ህዝብይ ዘጥፍአ በዝይ ስርዓት ሰልጢኑ ኣብ መወዳእትኡ በትይ ስርዓት ተቐጥቕጡ ዝሞተ ሕጅይ ውን እዝይ ከምኡ ይድገም ኣሎ እሞ ነቶም ነዝይ ዝሓስቡ ዕጭኦም ዕጫ ሰዲግ ከይትኸውን ሓብሩልና::ካብዝይ ናይ ጥፍኣት ስራሕ ክርሕቑ ክቃወሙ ከም ዘለዎም ሓብሩልና ኣቃልሑልና::ሓበሬታን መጠንቀቕታን ደጋጊምኩም ኣመሓላልፉ

  • Geje April 22, 2019

    What? from Adi Halo? Why do you need from the poor and weak Diaspora refugees if you are right there close to the master’s ears in Adi Halo? Do you want the diaspora to tell what to do? Eritreans politics is not short of comics.

    “ካብ ኣባል ኤርትራዊ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ንእሽተይ ወለዶ

    ዓዲ-ሃሎ ኤርትራ”
    Assenna, let the readers decide what to read or not.

    • Berhane Haile April 22, 2019

      ካብ ዓዲ ሃሎ ዘይኮንካ ንስኻ። ምኽንያቱ ኣብኡ ዘሎ ሰብ ከምኡ ኣይብልን እዩ። ኣሰና ድማ ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እያ መልእኽታ ተመሓላልፍ ዘላ።

  • Wedi Hagher April 22, 2019

    ወዮ ወይጦ ፥ ኣብ ሓንቲ ገጽ 4 ጊዜ ሽም ቀይሩ ኡይ !! ይብል ኣሎ ።
    ኣይተ (ኣስመሮም፣ጀጀ፣ጎይቶኦም፣ዳዊት)
    ቀሪባዶ ማህያ ክትቁረጽ ?
    በል ቀጽል ኣውያት ፥ እሰያስ ኣብ ኤሪትራ መቃብር ክህሉዎ ኣይኮነን።
    ከም ዓርኩ ቃዳፊ ኣብ ምደረብዳ ክጠፍእ ኣዪ።

POST A COMMENT