Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ጻዕርታትና ኣወሃሂድና ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና፡ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ እዩ።እቲ ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣዎንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ ፍጹም

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን

ጻዕርታትና ኣወሃሂድና ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና፡ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ እዩ።እቲ ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣዎንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ ፍጹም ዓወት ክንጭብጦ ብዘይምኽኣልና ብዙሕ ህይወት ከሲርና ዝተረፈ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ይሳቐ ከምዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።ስለ’ዚ ተጠርኒፍና ብዝሓጸረ መንገዲ ተጓዒዝና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብናይ ነብሲ ወከፍና ዉሑድ ክሳራታት ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ንኽእል ኢና ኢሉ ዝኣምን ኣካል ውጥናት ከጻፍፍ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ናህሪ እናወሰኸ ይምርሽ ከም ዘሎ ንህዝቢ ከነበስር ንፈቱ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝፈረሙ ኤርትራውያን ኣብ ግንቦት 2016 ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት ምቕራቡ ዝዝከር እዩ። በቲ ዝተኻየደ ነዊሕን ጽዑቕን ልዝብ፡ኣብ’ዛ ትስዕብ ራእይ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ። ኤርትራ ንሓዋሩ ከም’ቲ ህዝብና ዝተጸበዮን ስውኣትና ዝተመነይዎን ንክትክውን ስልጣን ናይ ህዝባ ስለዝኾነ፡መስርሕ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ማለት ህዝቢ ዝመረጾ ብህዝቢ ዘጽደቖ ሕጊ ተሞርኩሱ ንህዝቢ ዝመርሕን ሃገር ዘመሓድርን ኣካል ምቛም ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዓዳምን ተዓዳምን ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ።በዚ መሰረት ክሳብ ንስርዓት ህግደፍን ስነሓሳቡን ኣብ ጎዱፍ ብምቕባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥጡሕ ባይታ ንፈጥር፡ ኣቐዲምና ኣብ ስደት ንነብር ኤርትራውያን ነዛ ራእይ ከነተግብራ ውጥናት ኣውጺእና።

ኣባላት ናይ’ዚ ኣካል፡ ህዝቢ ስልጣን ወይ ሓላፍነት ከምዘይሃበና ስለንርዳእ፡በታ ንኩልና ተራኽብ ኤርትራውነት ተጠቒምና ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣብ ሰለስተ ጽፍሒታት ዝተመቕላ ሕጋውያን ህዝባዊ ባይቶታት ንክምስረታ ጻውዒት ነቕርብ ኣለና። ንሳተን ከኣ፡

1ይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ዓለምና ዕድምኡ/ኣ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነ/ዝኾነት ኢርትራዊ/ት ዝሳተፍሉ ባይቶ ዓዲ/ከተማ ምቛም።

2ይ. ካብ ባይቶ ዓዲ/ከተማ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ልኡኻት ዞባዊ ባይቶ ምቛም።

3ይ. ብተመስሳሊ ኣገባብ ንኣብ ምሉእ ዓለም ንርከብ ኤርትራውያን ዝውክል ባይቶ ምቛም እየን።

ነዚ ተበግሶ ተጠርኒፍና እንተ ኣዓዊትናዮ ነቲ ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊታት “ሕጂ’ኸ ናበይ” ዝብል ሕቶ መሊሱ ናብ ጎደና ዓወት ኣሰጋጊሩ ንሓዋሩ ስልጣን ህዝቢ ዘረጋግጽ ጽኑዕ መሰረት ከም ዝኽውን ኣይንጠራጠርን። ስለ’ዚ ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሎሚ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ነናብ ትነብሩለን ከተማታት ብሰላም ክትምለሱ እናተመነና ተጠርኒፍና ነዛ ራእይ ንምትግባር ኣብ ከባቢኹም ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል ኣብ’ዚ ቃልሲ ክትሳተፉ ብትሕትና ንዕድመኩም።ከም’ቲ ዋና ገዛ ዘይዕጠቐሉ ውራይ ዘይምዕርግ ንሕና ከይተጠርነፍና መንግስታት ዓለምና ክጣበቓልና ኣይንጸበ። ሕጋዊ ህዝባዊ ባይቶ ብምትካል ዓቕምና እንተ ኣስሚርና፡ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ከርተት ኣብ ክንዲ ምባል ኣብ ነንነብረሉ ከባቢ ካብ’ቲ ክፈላልየና ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ ናጻ ዝኾነ ደቅናን ስድራታትናን ንረብሓሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከነስተማቕር ክንክእል ኢና።ዛጊት ኣባላተን ቅጥዒ ብምምላእ ንኩሉ ኤርትራዊ ዝጥርንፍ ባይቶ ዓዲ/ከተማ ዝተኸላ ከተማታት እንተ’ለዋ ከኣ ሓቢርና ክንሰርሕ፡ ክውከሳና ንምሕጸን።

ንዝያዳ ሓበረታን ጽሑፋትን ብ gieegm@googlegroups.com ተወከሱና።

 

ይኣክል፡ስልጣን ናትካ/ኪ ምዃኑ ኣብ ምርጫታት ብዘይስክፍታ ተሳቲፍካ/ኪ ብምድማጽ ኣረጋግጾ/ጽዮ!!!

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡

ጥቅምቲ 27, 2016

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • DESALEGN October 22, 2016

    ናብ ተስፋጽዮን ኣግኣዝያን

    ዉጽኢት ስራሕ ናይ ደቂ ሰባት ብናይ ስራሕ መሃይም ኣይግምገምን እዩ!

    ስራሕ ዘይፈልጥ ሰብ ናይ ስርሕ መሃይም ስጋብ ዝኾነ ሰባት ንዝስርሕዎ ስራሕ ንኽግምግም ብቕዓት የብሉን እዩ። ናይ ዝኾነ ዓይነት ግብራዊ ስራሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ መለክዒ ወይ መምዘኒ ኣፍልጦ ስጋብ ዘይብሉ መሃይም ናይ ግብራዊ ስራሕ ስጋብ ዝኾነ ንዝሰርሑ ሰባት ንኽመዝን ዘይኮነስ ንሚዛኑ ዘይፈልጥ ዝንቡዕ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ እዩ። ንሓደ ስራሕ ክመዝን ወይ ገምጋም ክህበሉ ዝኽእል ወጣኒ ወይ ሃንዳሲ ናይቲ ዝስራሕ ስራሕ ወይ ተግባሪ ናይቲ ዝስራሕ ስራሕ ጥራሕ ክኸውን እንከሎ ኣቐዲሙ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ወይ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ዝተሳተፈን ተገልጋሊ ናይቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ብዝረኸቦ ዉጺኢት ጥራሕ እዩ ናይ ስራሕ ገምጋም ከካይድ ዝኽእል።

    ታሪኽ ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ግና ብዝኾነ ማሃይም ይኹን ምጽሓፍን ምንባብን ዝኽእል ሰብ ክዝተየሉን ክንገረሉን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ሳልስቲ ዝሰማዕናዮ ካብ ሓቂ ዝራሓቐን ነዉራም ኣበሃህላ ሓደ መሃይም ናይ ስርሕ ዝኾነ ሰብ ንዕቱባት ዝኾኑ ናይ ስራሕ ገምጋም ክህብ ብምፍታኑ ከምዚ ዘይብላ ኣዴኻስ ካብ ከውሒ ትጸንዕ ዘዓይነቱ ቢሂል ኮይኑ ተሰሚዑኒ ኣሎ። ምኽንያቱ ዝኾነ ዓይነት ትሓዝቶ ዘይብላ ዓዴኻ ትህበካ ነገር ስጋብ ዘይብላ ዝኾነ ዓይነት ትሕዝቶ ዘይብሉ ወይ ናይ ሙሁራት ስራሕ ብ ግብሪ ሰሪሑ ዘይፈልጥ ሰብ ገምጋም ዉጺኢት ስራሕ ከቕርብ ብቕዓት ከምዘይብሉ ንጹር ስለዝኾነ እትጽበዮ ዉጽኢት “ባዶ” ጥራሕ እዩ። እዚ ሰብዚ ብዝዕባ “ብዕቱብ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ክዛረብ ዘይኽእል ልሙስ ሰብ እዩ እንተበልኩ ድፍረት ኣይክኸዉንን እዩ። ኽንየው ዘረባ ሓሊፉ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሓደ ሙሑር ዝሰርሖም ግብራዊ ስራሕ ሰርሑ ዘይፈልጥ ሰብ ክንሱ ታሪኽ ናይ ሃገር ከም ሓደ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ተማሓርይ ስለዘዘንተወ ንብግብሪ ዝሰርሑን ናይ “ዝሰርሕዎ ስራሕ ዉጽኢት ብግብሪ” ዘመስከሩ ሰባት ከም ኤልሳ ጭሮም ኣማኑኤል ኣሰናን ወዘተ ከነኣእስ ምፍታኑ ነዚ ዘቕርቦ ዝነበረ ዛንታታትን ታሪኽን ወይ ጽዉጽዋይ ዘዓይነቱ ተግባራቱ ንኽድምቐሉ ኢሉ ከም መሐወስታ ዝተጠቕመሉ ዘይ ዓቕሙ ገምጋም ንኽህብ ኣብ ዝፈተነሉ ጊዜ ንድኹም ጎድኑ ብገዛእ ኢዱ ንፉስን ዘይርጡብን ከምኡዉን “ባዶ” ሰብ ምኻኑ መስኪሩ ኣሎ።

    በቲ ጽይፉን ነዉራምን ኣበሃህልኡ ካብ እንደበቱ ዝዘረዎ ዘረባ ክንርኢ ምስ እንፍትን ኢሳያስ ዝቐተሎ እስላማይ ወይ ኩናማ የለን ንዓና ንኽርስትያን እዩ ቀቲሉና ይብል እሞ እዚ ከኣ ንዓና ንኤርትራዊን ኣግኣዝያን ዝምልከት ስጋብ ዝኾነ ኢሳያስ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ የብሉን ዝብል ኣዚዩ ድኹምን ኣነዋሪ ዝኾነ ስነሞጎት ኣቕሪቡ ኣሎ። ከምኡዉን ኢሳያስ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ምስ ዝቐርብ ኣግኣዝያን ከም ጀርመናዊያን ዘጋጠሞም ብናይ ናዚ ተግባርት ዘዓይነቱ ብማሕበረሰብ ዓለም ተጸላእነት ክነትርፍ ኢና ይብል። ካብቲ ሓደ ናይዚ ሰብዚ ዘገርም ነገር እንተሎ [ህግደፍ] ከም ናይ “ናዚ ዓይነት ህልቂት” ከምዝፍጽም ዘሎ ተኣሚኑ ክንሱ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ የብሉን ይብል። እዚ ሰብ እዚ ብመሰረቱ ናይ ሓደ “ከልቢ” ዝሰርሖ ዓይነት ተግባራት ይትግብር ከምዘሎ ንኽግምግምስ ይትረፍ ጉዕዝኡ ናበይ ገጹ ከምዝኸይድ ዘሎ ኣንፈቱ ክፈልጥ ዘይከኣለ ፍጥረት ሰብ እዩ ኢልካ ክድምደም ይከኣል። ንዓና ኤርትራዊያን እስላማይ ወይ ኩናማ ብህግደፍ ኣይጠፍእን ዘሎ ኢሉ ከእምን ምፍታኑ ምልክት ብልሑ ዘይኮነ ምልክት ድኽመቱ ዘንጸባረቐ ሰብ እዩ። ናይዚ ሰብ እዚ ቐንዲ ጸገም ክንርኢ ምስ እንፍትን ናይ ሰራሕ ወይ ናይ ተግባር ሰብ ዘይምኻኑ ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ሕማቕ ካብ ገድሊ ተሰኪምዎ ዝመጸ ናይ ሕሶት ባህሉ ጠጠቒሙ ንህዝቢ ኤርትራ ከደናግር ምፍታኑ ምልክት ዕሽነቱ እንተዘይ ኮይኑ ንዝኾነ ሰብ ከደናግር ዝኽእል ኣይኮነን እዩ።

    ብህግደፍ ዘሃለቑ እስላም ህዝቢ ዞባታት ሃገርና ብፍላይ እስላም ዝነብሩለን ዞባታት ዝምስክርዎ ሓቂ ስለዝኾነ ዝኾነ ኤርትራዊ ዝደናገረሉ ኩነት ክህሉ ኣይኽእልን እዩ። ንናይ ኩናማ መቕዘፍቲ ብፍላይ ህዝቢ ዞባ ጋሽ ባርካ ንዝምስክሮ ሓቂ ካብ ሓደ “ሓሳዉን ልሙስ” ዝኾነ ሰብ ከምዚ ዓይነት ኣነዋሪ ዘረባ ክትሰምዕ ናይ ግድን ስለዝኾነ ብዙሕ ዘገርም እይኮነን እዩ።

    ደቂ ሰባት ዝሰርሑ እንተኾይኖም ከም ዝጋገዩ ፍሉጥ እዩ። ካብ ጌገኦም ዝመሃሩ ምስ ዝኾኑ ጥራሕ እዮም ብሉጻት ኮይኖም ዝወጹ። ስለዚ ንህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ራህዋን ንምምጻእ ላዕልን ታሕትን ትብል ዘለኻ ኤርትራዊ ዜጋ “ብመሃይም ናይ ስራሕ” ዝተዋህበ ገምጋም ስኽፍ ዘብል ነገር ስለዘይብልካ ንፋዕ በርትዕ ኣጆኻ እንዳበልኩ ኤልሳ ጭሮም ንህቢ : ኣማኑኤል እያሱ ሞተር [ልቢ]ኢልና እንተጸዋዕናዮም ይንእሶም እምበር ኣይከዓብዮምን እዩ።

POST A COMMENT