Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህየሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም "ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን" ብምባል

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም “ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን” ብምባል ትንቢታዊ ምኽሪ ኪልግሱልና ከለዉ ይዝከረኒ። ጀብሃ ዝነበሩ እዮም ዝኾኑ ብምባል ግን ግዲ ኣይገበርናሎምን።

እንተኾነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ገለ ጽምብል፡ ኣብ ሓደ ጽቕጥቅጥን ምድፍፋእን ዝነበሮ ኣጋጣሚ፡ ካብ ገለ ህዉኻት ተጋደልቲ ኣብተን እልል ዝብላ ዝነበራ ኣዴታትን ኣብቶም ዘጣቕዑን ዝነበሩ ኣቦታትን ዘይተጸበዩዎ ናይ በትሪ መዝበጥቲ ተኻዪዱ። ካብዚ ረሓቑ ከም ማለት። ሰብኡትን ኣንስትን ግን ልቢ ብምዕባይ፡ “ክልተ ግዜ ዶ ክንዛረብ ኴንና” ብምባል ነቲ እተጓነፎም ውርደት ቆርጢሞምዎ ትም ምባል መረጹ። ደርሆስ ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ ዝብሉኹም ከምዚ እዩ።

እዚ ተርእዮዚ ናይቲ ዚመጽእ ኩነታት ምስልን ትእምርትን እዩ ነይሩ። ሰብ ደኣ ኣይተረደኦን ነይሩ እምበር፡ እቲ መሪሕነት ኣብቲ ህዝቢ ዝነበሮ ክቱር ንዕቀት ነቶም ኣብ ሜዳ ከለዉ ኪረኣዮም ወይ ኪስቈሮም ዘይከኣለ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ቅሩብ ኪበርሃሎም ክኢሉ እዩ። ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ክልተ ግዜዶ ክንዛረብ ኴናን ዚብል ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ህዝቢ ትም ከም ዚብል ገይሩዎ። ክሳዕ ለይተሎሚውን እቲ ጉድ ዘይተሰቝሮ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን።

ገለ ሰባት ብዛዕባዚ ወሪዱ ዘሎ መከራን ውርደትን ሕስራንን ኪጽሕፉ ወይ ኪዛረቡ ከለዉ፡ ነቲ መሪሕነት ኪጻረፉን ከስተማስሉን ግዜ ኣይወስደሎምን። ገሌና መርገም እዩ ዚብል ኣረኣእያ ነቃልሕ፡ ገሌና ዓገብ በሉልና ወይ ኣላቕሱና ብዘስምዕ ቃላት ነቲ ጽሑፋትና ንመልኦ። ናይ ሓድሓደ ዘረባን ጽሑፋትን ድማ ሓቢርና ንማህለል ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል። ግን መርገምን እህህታን ጸርፍን ዘለፋን መፍትሔ ኪኸውን ኣይክእልን። እዚ ዘሎ ስርዓት መርገም ደኣ መኣስ ውሒዱዎ፡ ኣይወሓዶን፡ ግን ነቲ መርገም ለሚዱዎ ግዲ ኾይኑ መመሊሱ ዝድንፍዕ ዘሎ እዩ ዝመስል። መርገም ስንቁ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰብ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።

ነቲ መሪሕነት ክትጸርፎን ክትኵንኖን እንተ ወዓልካን እንተ ሓደርካን፡ ነቲ መራሒ ክትዘልፎን ከተነኣእሶን እንተ ኸረምካን፡ ስምዒት ናይ ሰብ ካብ ምልዕዓል ሓሊፍካ እተፍርዮ ቁምነገር የልቦን። ስምዒት ሰብ ድማ ከከም ኩነታቱ ይድይብን ይወርድን ብምዃኑ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ዚካየድ ስነልቦናውን ፖለቲካውን መኸተ ወይ ቃልሲ ምንም ኣበርክቶ የብሉን። ብስምዒት ዚፍታሕ ነገር የልቦን። ፍታሕ ንምርካብስ ንድሕሪት ተመሊስካ ምምርማር እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ብልሃት ኣይርከቦን።

ንኹሉ ነገር መበገስን መንቀልን ኣለዎ። ካብ ባዶ ዚለዓል ነገር የልቦን። ኩሉ ፍጻመታትን ተርእዮታትን፡ ብድሕሪኡ ኮይኑ ዘበግሶ ደፋኢ ሓይሊ ኣለዎ። ምናልባት ኣብ ካልእ ዩኒቨርስ ካብ ባዶ ዚለዓሉ ነገራት ይህልዉ ይኾኑ። ንሕና ግን ኣብዛ ዓለምዚኣ ኢና እንነብር ዘሎና።

ኣብ ኣኽራናት ዝመልኦ ኣጻምእ ቦታ ክትዛወር ከሎኻ፡ ምድሪ ኪጽልምት ምስ ቀረበ፡ ካብ ገለ ጎቦታት ኣእማን እናንከራረወ ኪወርድ ትርኢ። እዚ ተርእዮዚ መደራግሕ እዩ ዚብሃል። ብዙሓት ሰባት ነዚ ካብ ባዶ እተላዕለ ዝመስል ፍጻመ ንምግላጽ ይሽገሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እተፈላለየ መልስታት ኪወሃብ ከሎ ይዝከረኒ። ገሌና ኣህባይ እየን ዝኾና ነቲ ኣእማን ደፊአንኦ ኢልና። ግን ኣብቲ ቦታ ኣህባይ ኣይነበራን። ገሌና ድማ ሸይጣውንቲ ወይ ዓምደረቦ ከይከውን ኢልና። ገለውን ደቅሕድርትና እየን ዝኾና ዚብል ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ግን እቲ ልክዕ መልሲ ካብ ሓደ ምሁር ሰብ ኢና ረኺብናዮ። ንሱ ድማ ከምዚ ዚብል እዩ። ቀትሪ ምሉእ እቲ ኣእማን ብምቖት ተነፊሑ ምስ ወዓለ፡ መሬት ኪዝሕል ከሎ ብመጠኑ ኪጭበጥ ይጅምር። ኣብ ምዝርጋሕን ምጭባጥን ኩነት፡ ናይ ምንቅስቓስ መስርሕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣብቲ ጎቦ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተቐሚጡ ዝነበረ ደናጉላ፡ ብናይ ምንፋሕን ብናይ ምጭባጥን ሓይሊ ክንቀሳቐስ ምስ ጀመረ፡ ብግራቪቲ ተሓጊዙ ንታሕቲ ከንኮራሩ ይጅምር። በዝን ክንድዝን ከኣ መደራግሕ ይፍጠር ማለት እዩ።

ኣህባይ ኪኾናውን ይኽእላ፡ ግን ንሳተንውን ከም መበገሲ ኢና ክንወስደን ዘሎንና። ስለምንታይ ደፊአንኦ ንዚብል ሕቶውን፡ ምናልባት ኵዕንቲ ወይ ሓሳኹ ኪፍሕራ ደልየን ይኾና። ካብዚ ሓሊፍካ ማሪታዊ ወይ ሕልማዊ መልሲ ምሃብ ግን ናብቲ ሓቂ ኪወስደካ ኣይክእልን። እዚ ኣብነትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ንኹሉ ነገር መበገሲ ከም ዘለዎ ንምግላጽ እዩ።

ናብቲ ጉዳይና ንምምላስ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ ሃገርና ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነትን እቲ ናይ ባህርያቱ ነጸብራቕ ኮይኑ ዘሎ መራሒን ናይ ዕንወት መገዲ ሒዞም ዝጎዓዙ ዘለዉ? ኣብ ኤርትራ ናጽነት ከምጽእ ዚኽእል እተፈልየ ራኢን ኣመራርሓን ኣቃውማን ዝውንን ሰልፊ ስለምንታይ ኪፍጠር ዘይከኣለ? ወይስ እቲ ታሪኻውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ኣቃውማ ህዝብና ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት ጥራይ ድዩ ከፍቅድ ዝኽእል ዝነበረ? ብሓጺሩ፡ እዚ ኣብ ዓለም ፍሉይ ዝኾነ ኣምባገነናውን ፋሉላውን ኣብ ህዝቢ ክብረት ዘይብሉን መሪሕነት፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ዝኸኣለ? ከመይ ኢሉ እዩኸ ነቲ ናይ ህዝብና ባህላውን ስነልቦናውን ማሕበራውን መርበብ ፈንጢሱ ንላዕሊ ኪድይብ ዝኸኣለ? ድሕሪ ሕጂኸ፡ ኤርትራ ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት እተስተናግድ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ድያ?

ነዚ ሕቶታትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ደምዳሚ መልሲ ክረክብ ደልየ ዘይኮነስ፡ ናይቲ በቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኩነታት ዘስቆርቍር ኤርትራዊ ኣእምሮ ብስምዒታዊ ዘይኮነስ ብህየሳዊ መገዲ ኪሓስብ ከም ዘለዎ ንምሕባር እዩ። ርግጽዩ ብዙሓት ምሁራን ኤርትራውያን ነቲ ጉዳይዚ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶታት ምርኩስ ብምግባር፡ ሰነዳት ብምፍታሽን ብምምርማርን፡ ሃናጺ ጽሑፋት ኣቕሪቦም እዮም። ከምዚ ዝበለ ትንተና ጥራይ ከኣዩ ነቲ ሕማም ኣለልዩ ኪኣልዮ ዚፍትን።

እዞም ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ሰባት ወይ ከኣ እቲ መሪሕነት ብሓፈሻ፡ ኪጅምር ከሎ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ እንታይ እዩ ነይሩ ንዚብል ሕቶ ፍጹም ዝኾነ መልሲ ኪርከቦ ኣይክእልን። ምትላልን ምድንጋርን ኣብ ዝመልኦ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ናብቲ ምንጪ ጸገማት ዚመርሕ ምርመራ ምክያድ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብቲ ታሪኽ መሪሕነት ብዙሕ ሕልኽላኻት ኣሎ፡ ብዙሕ ምስጢራት ኣሎ። ግን ሓደ እዋንሲ እቲ ሓቂ ይግለጽ ይኸውን።

ገለ ኣዋርሕ ይገብር፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ዝጸሓፎ ንታሪኽ ኣመጻጽኣን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዚምልከት ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ኣንቢበ ነይረ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ነቲ ጽሑፍ ወቒሱዎ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ንምሕባርውን ርእይቶታቱ ሂቡ። ኣነውን ብወገነይ ነቲ ትንተና ብምሉኡ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ግን ኣይጸላእኩዎን ከኣ። ዘይመጽልእየይ ምኽንያት ከኣ፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ኪረግጾ ዝፈርህ ናይ ምሕሳብ መሬት ወይ ባይታ እዩ ኪጎዓዝ ፈቲኑ። ነቲ ‘ነውሪ’ ወይ ‘ንየው በሎ’ ዚብሃለሉ ናይ ምሕሳብ ማዕጾ እዩ ከፊቱዎ። ግን ከኣ ኣብ ምርምር፡ ነውሪ ወይ ብቛንቋ እንግሊዝ ታቡ ዚብሃል ነገር ኪህሉ ኣይግባእን።

ምምርማር እንተ ኾይኑ ከይፈራህካ፡ ይብሉኒ ከይበልካ ምምርማር እዩ፡ ወላውን ውጽኢቱ ዘሰምብድን ኣብ ልብኻ ራዕዲ ዘእቱን እንተ ኾነ። ሽዑ እቲ ዘንብብ ወይ ዚሰምዕ ሰብ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብስነመጎታዊ መገዲ ከፍርሶ ወይ ኪቃወሞ መሰል ኣለዎ።

ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።

ኣብ ኩሉ እንገብሮ ምርምር፡ ናይ ኣእምሮ ትብዓት ኪህልወና ይግባእ። ህየሳዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ፈራህን ጃጃውን ማሪታውን ኣእምሮ ቦታ የብሉን። ነቲ ሓቂ ንምርካብ፡ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባ መዓጹን መሳኹትን ኪኽፈት ይግባእ። ሽዑዩ እቲ ሓቂ ባዕሉ ዝገሃድ።

ብቐደሙስ ብሓሶትን ብምድንጋርን ደኣ ተሸፊኑ ነይሩ እምበር፡ እቲ ሓቂኮ ኣብ ቦታኡ እዩ ነይሩ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • rezen May 21, 2015

    First of all, let me once more ask for forgiveness for responding in English rather than in my ancestor’s admirable written language. It is part of the fundamental malaise of the “Eritrean” society. I leave it at that.

    Now to Amanuel Sahle’s Article. If I were in Literature Class or so and the teacher asked what we like or dislike about the paper I would simply list the following six sentences that I love most:

    “ክሳዕ ለይተሎሚውን እቲ ጉድ ዘይተሰቝሮ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን።

    ግን መርገምን እህህታን ጸርፍን ዘለፋን መፍትሔ ኪኸውን ኣይክእልን።

    መርገም ስንቁ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰብ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።

    ድሕሪ ሕጂኸ፡ ኤርትራ ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት እተስተናግድ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ድያ?

    ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።

    ብቐደሙስ ብሓሶትን ብምድንጋርን ደኣ ተሸፊኑ ነይሩ እምበር፡ እቲ ሓቂኮ ኣብ ቦታኡ እዩ ነይሩ!”

    That is my opinion, my feeling — ጸበቐ ከፍአ!
    THE END

  • Simon G. May 21, 2015

    Brother rezen,
    You forgot the major point (at least to me): ደርሆስ ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ ዝብሉኹም ከምዚ እዩ።

    • quiky May 21, 2015

      Well, you may love that but you may also need to remember it is a popular proverb and was wrongly applied in this article.

  • Truly Truly i say to you May 21, 2015

    ዝኸርካ ኣማንኤል ኣነ በቲ ሓገርና ኣጓኒፍዋ ዘሎ ሕማቕ ዕድል ካብቶም ኣዝዮም ዘስቆርቁሩ ሰባት ሃደ እየ። ይኹን እንበር ነቲ “ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ ሃገርና ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነትን እቲ ናይ ባህርያቱ ነጸብራቕ ኮይኑ ዘሎ መራሒን ናይ ዕንወት መገዲ ሒዞም ዝጎዓዙ ዘለዉ? ኣብ ኤርትራ ናጽነት ከምጽእ ዚኽእል እተፈልየ ራኢን ኣመራርሓን ኣቃውማን ዝውንን ሰልፊ ስለምንታይ ኪፍጠር ዘይከኣለ?” ወዘተ ንዝብላ ኣገዳሲ ሕቶካ ብልክእም ብስሚታዊ ደይኮነ፣ ነቲ ኣባይታ ንዝረኣይ ዘሎ ሓቅታት መሠረት ገርካ ብሳይንሳዊ ፖሎቲካዊ ትንታኔ ክምለስ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ብመሰረቱ ስለምንታይ ደፊርካኒ ከይትብል እንበር ነቲ ዘቅረብካዮ ሕቶ ባእልኻ ክትምልሶ ፍጹም ብቕኣት ከምዘለካ ዋላኳ እንተዘይጠራጠርኩ ስለምንታይ ነቲ ትኣምነሉ ምኽንያታት ኣብክንዲ ኣግሒድካ ትገልጽልና፣ ንሕና በቲ ዘለና ንእሽቶ ኣፍልጦ ክንመራመረሉ ንኣና ከምዝገደፍካልና ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ብዝኾነ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብዙሕ ትንታኔ ዘድልዮ ጉዳይ ደይኮነ ብሓጺሩ ሕዝቢ ኤርትራ ደም ከፊሉ ብክንደይ መስዋእቲ ዘምጽዖ ነጻነት፣ ከምቲ ትምኒቱ ዝደለዮ ሓርነት ቅሳነትን ምዕባሌ ክሰምረሉ ዘይከኣለ፣ ነቲ ነጻነት ብዘይተወሓጠሎም ስባት እቲ ኣመራርሓ ስለዝተበሃተ ወይ ብካልእ ኣዘራርባ እቲ ናይ ሕዝብና ዕልማን ድልየትን ስለዝተጨውየ እዩ ኢላካ ብሓጽሩ ምምላስ ይከኣል እዩ። ኣብዚ ክመጽእ ዝኽእል ሕቶ፡ ነቲ ነጻነት ብዘምጽኡ ሰባት እንድዩ ሃገር ትመሃደር ዘላ ከመይ ገሩ እቲ ዕላማ በዞም ሰባት ክጭወይ ዝከኣል? ቢሎም ክሙጉቱ ዝደፍሩ ብዙሓት ሰብ ዕላማ ከምዘለዉ፡ ኣዝዩ ብዙሓትም ለዋሓትም ስለዘለዉ የግድን ብፍላይ ነዞም ለወሓት ገለ ትንታኔታት ምሓብ ኣድላይነት ይሕልዎ። እዚውን ሰፊሕ ምርምር ዝሓትት ዘይኮነ ልክእ እዪ ኢሳያስን መሰልቱን ቃልሲ ካብዝተጀመረሉ ዕዋን ኣትሒዞም ኣብ ሜዳ ነሮም፣ እዚ ምሕላዎም ግን
    ንኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ዕልማ ስለዝነበሮም እዮ ናብ ሜዳ ወሪዶም ኢልካ ምድምዳም ፍጹም ለዋሕነት እዩ። ወዮ ሕዝብና ኣይፋለን ብግዜ ፌዴሬሽን ነቲ ዝነበረ ናይ ፖሎቲካ ተንኮላት ተንቲኑ ክርድዖ ይትረፍ፣ በዚ ሎሚ ጊዜ እንዃዕ ብክንደይ ዘመናዊ መራከቢታት ኣገዳሲ ሓበሬታት እናሰመዕም ነቶም ኣብ ኣመራርሓ ተቆይጦም ዘለዉ ሰባት ዕላምዖምን መበቆሎምን ከይተረፈ ኣጸቢቁ ይፈልጦም እዩ ኢልካ፡ ኣፍካ መሊዕካ ምዝራብ ዝከኣል ኣይመስለንን። ብሓጺሩ ኣብቲ ግዜ ፌዴሬሽን ኃይለስላሴ ካብቶም ሃያላት ሃገራት ብዝግበረሉ ዝነበረ ደገፍን ናይ ፖሎቲካ ምኽርን ንሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ምስቲ ሕዝቢ ተመሳሲሉ ነቲ ናይ ነጻነት ቃልሲ ክጨውዩ ዝኽዕሉ ሰባት ኣብ ኣመራርሓ ዝኣበየ ስልጣን ሒዞም ነቲ ቃልሲ ንከምክኑ ካብቶም ዝተሓረዩ ሰባት እቲ ሃደ ኢሳያስ ምዃኑ ዘይተረድኦ እንተሎ እንትወሓደ ካብቲ ዝገብሮ ተግባር መዚኑ ክኣምን ተደይከኣለ፣ ክምሰብ ሰብ ኣዕምሮ ዝተኣደለ ሰብ እዩ ኢልካ ክትቆጽሮ ዝከኣል ኣይመስለንን። እቲ ኣዝዩ ዝገርም እቲ ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ጥራይ ደይኮነ ዳርጋ 98% ዝኸውን ናይተቃውሞ ውድባት፣ ሚድያ ናይ ሰብዓዊ መሰል ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ ጉጅለታት ከይተረፈ እቲ ኣመራርሓ በቶም ናይ ኤርትራ ነጻነት ዘይተወሓጠሎም ወይ ሰብ ኣንድነታውያን ሓይላት እቲ ቃልሲ ኮነ ስልጣን ስለዝተበሓተን ስለዝተጨውየን ብምዃኑ ናይቲ ናይ ኤርትራ ቃልሲ ንከየፍርይ ዝመክን ዘሎ ብትወሳኪ ምዝክካር ኣገዳሲነት ዘለዎ ኮይኑ ይስምኣኒ። ብሓጺሩ ሰኣን ቅኑእ ልቦና እንበር ካልእ ምክንያት ስለዘለዎ ኣይኮነን ሕዝቢ ኤርትራ ክእወት ዘይክዕል ዘሎ ።
    እቲ ኣገዳሲ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣዳኺምካ ነቲ ሓገራዊ መንነት ንምጥፋእ ስርኣት ኢሳያስ ኮነ ኣብኩሉ ናይተቃውሞ ሓይላት እናኣተዉ ንክብትኑ ዝተለኣኩ ሃይላት ካብዝጥቀሙሉ ሜላታት እቲ ዝኣበየን ሃደገኛን ሜላ ሕዝብና ኣጸቢቁ ክበርሃሉ ኣለዎ ኢለ ብበኩለይ ክመክር ዝደሊ፣ ካብ ግዜ ፌዴሬሽን ኣትሕዝካ ነቲ ናይ ኤርትራ መበቆል ዘለዎ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ከምዝስደድን ኣብኡ ከምዝዳቀልን ብምግባር፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘለዎ ድማ ብፍላይ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ከምዝወርዱ ብምግባር ምስቲ ሕዝቢ ብምድቃል ነቲ መንነትን ሕብረትን ንምጥፋእ ዝተተሓዘ ሜላ ክኸውን እንከሎ፣ ብፍላይ ስርዓት ደርጊ ነቲ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ሰራዊቱ ኣብ ኤርትራ ኣስፊርሉ ኣብዝነበረሉ ዕዋን ነቲ ዝትዳቀለ ሕዝቢ ኣብግምት ምስተእትውን፣ ነዚ ናይ ወለዶ ምድቃልን ምጽናትን ዕላማ ብብዙሕ እጽፊ ኢሳያስ ሕዝብና ክምዝስደድ፣ ኣድላይ ብዘይኮነ ውግእ ከምዝጸንት፣ ሕዝቢ ተማሒሩ፣ ሓዳር ገሩ ነጊዱ፣ ጽኢሩ ንሃገሩ ከይሓንጽ ናይ ቤተሰብ ኣንዲ ንከጥፍእ፣ ሃገር ብደይ ፍትሒ ቅዋምን ብንቡር ኣመሓድራ ንከይትመሓደር ዝተፈረደትሉ በዝን ብዝኣምሰሉን ምኽናይታት ምዃኑ ንስኻውን ኣማንኤል ትስሕቶ ሓቅን ፍሉይ ትንታነ ዘድልዮን ኣይመስለንን።

  • Maekele May 21, 2015

    ይበል አንታይ ኪወጾ!!

    ድሕሪ ሕጂኸ፡ ኤርትራ ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት እተስተናግድ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ድያ? ዝብል ሕቶ ግን

    አወ ክልተ ወይ ስለስተ ከይረኣና ኣይንተርፍን። ባይታ ከምዚምስክሮ

    • AHMED SALEH May 22, 2015

      ” KILITE – SELESTE MENGHISTI KEYREANA AYTERFN ”
      Some people wish for good outcome and others wish differently , why ?
      I leave for genuine Eritreans to find an answer for the hidden expectation without
      provocative respond .

  • tarikh May 22, 2015

    ዝኸበርካ መምህር አማንኤል ንስለቲ ዘይሕለል ሞያኻን ስልጡን አስተምህሮኻን አዝየ የመስግነካ. ከምዚ ዛአመሰል ትምርትን ምዑዶን አዝዩ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ እሞ ዝከበርካ መምህር፣ ኢዚ ሞያኻ አበርቲዐካ ክትቅጽሎ ይምሕጸነካ.
    መምህር አማንኤል አነ ከምዝዝክሮ፣ ነዞም ህጂ ንሃገርና ህዝብናን ናብ ዘይውጻእ ማዕሙቕ ደቕዲቖሞ ዘለዎ ደቂ ጫካ፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክምህሮምን ከሰልትኖምን ፈቲኑ ኢዩ. ብመንገዲ አብ ጋዜጣታት ሓዳስ ኤርትራን፣ ፕሮፋይልን ዘህትሞ ዝነበረ ዐንቀጻት ይኹን፣ ኢሱ አብ ዝተረኽበሉ አጋጣሚታት ብዙህ ዘበርከተን፣ ህዝቡ ዝስተምሃረን ጭዋ ወዲ ሃገር እዩ.

  • Teclay May 22, 2015

    የቐንየልና መምህረይ

    ሐቂ ደንጒኺ እንደሞ ደንጒኺ፣
    ሐቂ ይርእየኪ ኣለኹ ብማዕዶ ትመጺ፣
    ኣበይ ደኣ ኣተዋ እተን ጸላእትኺ፣
    ብዓል ሓሶት ኣምሰሉ ኣጋንንቲ ።

    It is really ,really educational ,that is what we miss for long very long time.
    ““ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን”…Yes,for the the ppl who used to live in the countryside like my self the crimes of the so called liberators( Shefatu )were long before the black day 24-05-91 known…Example what could you say if they confiscated your hard earned crops only because you want to sell it to the cites??
    What could you say if your sister or your wife were taken by Shefatu in the middle of the night in her honeymoon..That was how life looks like under Shefatu before 1991 outside of the cities.
    “…ግን ኣይጸላእኩዎን ከኣ። ዘይመጽልእየይ ምኽንያት ከኣ፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ኪረግጾ ዝፈርህ ናይ ምሕሳብ መሬት ወይ ባይታ እዩ ኪጎዓዝ ፈቲኑ። ነቲ ‘ነውሪ’ ወይ ‘ንየው በሎ’ ዚብሃለሉ ናይ ምሕሳብ ማዕጾ እዩ ከፊቱዎ…”
    I used to call him Yosief G. a taboo breaker.Yes ,we are lucky at a time when we lost every thing,we got Yosief, the Galileo Galilei of Habesha.
    Galileo was condemned by many including the Catholic Church .The same, the great Yosief was condemned by the poor HAFASH but appreciated at least in small circles by all intellectuals.

    P.SAssena would you invite Yosief Please.

    እንደገና የቐንየልና መምህረይ

  • tesfu May 22, 2015

    Truly truly I say to you

    I share your idea the reasons why I personally know someone higher official in Eritrea when king Hile ruled the country Isayas was contacted and keep coming to take advise on that time who govern the Eritrea his private house night time. I feel sad when I come to know all this drama and hugely destroy the United Eritrea and big human losses and still our sufferings.

  • ታደሰ ኪዳነ May 22, 2015

    ዝኸበርካ ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ። ስለቲ መጎታዊ ትንተናኻ የቐንየልና። ኣብ ብዙሕ ጽሑፋትካ እሰማማዕ ኢየ።
    ኣብታ ብዛዕባ ዮሴፍ ገብሪሂወት ዝበልካያ ግን ስኽፍታ ኣሎኒ። ሰብ ዝመስሎ ክጽሕፍ፡ ክምድር ይኽእል ኢዩ። ከም ሓቂ`ውን እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ዘየዛርብ ኣይኮነን። ህግደፍ ኩሉ ሃብቲ ሃገርና ንበይኑ ወኒኑ ኣብ ምዝራግና ኣውዒሉዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ህዝቢ እንተላይ ደቁ ከይተረፈ ኣገልጋሊኡ ገይሩዎ ምህላዉ ዝሰሓት ኣይክነን። ኣብዚ ግን ጥንቓቀ ከድልየና ኢዩ። ነዚ ዘሎና ሽግር ክንፈትሕ እምበር ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጻት ናብ ጻት ብሓደ ቃል ተንሲኡ ዘምጽኦ ናጽነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ወይ ናብኡ ገጹ ዝኸይድ ትንተና ከነምጽእ፡ ጽባሕ ደቅና ዝጠዓስሉ ስራሕ ከይስዕብ ክንጥንቀቕ ይግባእ።
    ናጽነት ናይ ህዝቢ ኢዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ሽግር ግን ዋንኡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኢዩ። ንኽልቲኡ ኣተሓናፊጽና ካብ ምጥማት ምጥንቃቕ ከድሊ ኢዩ። ዮሴፍ ገብሪሂወት`ውን ንብዙሕ ጸይቅታት ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ናጽነት ዘምጽኡ ተጋደልቲ ከይተረፈ ኢዩ ከቆናጽቦም ፈቲኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንስርዓት ሃይለስላሴ ከይተረፈ ክምጉስ ሰሚዕናዮ። ትንታኔ ዮሴፍ `ንናጽነት ዘቃልስ ኣይነበረናን` ናብ ምባል ገጹ ዘዘምብል ምንባሩ ንጹር ክኸውን ይግባእ።
    እሞ ዝኸበርካ ኣቶ ኣማኑኤል፡ እቲ ሃገራዊ ናጽነትን ንዕኡ ዝተኸፍለ ዋጋን፡ ካብቲ -እቶም ነቲ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ብዘጥረይዎ ሓይልን ተሰማዕነትን፡ ብዓቢኡ ድማ፡ ሃኒጾምዎ ብዝመጹ ናይ ጸይቂ መሓውራትን ተጠቂሞም ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዒን ፈላሊየን ዝርእያ ኣዒንቲ ክንውንን ግቡእ ኢዩ።
    ብወገነይ ትንታኔ ዮሴፍ ገብሪሂወት፡ ብላዕሊ መዓር ብውሽጡ ግን መርዚ ኢዩ ኢየ ዝብል። ተጋደልቲ ንናጽነት ሞይቶምን ሰንኪሎምን እምበር፡ ንህዝቦም ኣብ ሽግር ንምእታው ዕላማ ኣይነበሮምን። ሕጂ ከኣ ገለ ጸየቕቲ ገዲፍካ ዳርጋ ኩሎም ተጋደልቲ፡ እንተላይ እቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ዘለዉ፡ `ሃየ ነቲ ብደምናን ስንክልናናን ብዓመጽ ዘውዲ ደፊኡ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ምእላይ ሓግዙና` ይብሉ ኣለዉ። ሕጂ ድማ ክሕገዙን ዕላምኦም ክምጎስን ክሰዓብን እምበር፡ ከምቲ ዮሴፍ ከረድኣና ዝፈተነ። ክጽረፉን ክዝለፉን፡ ወይ`ውን ከም ዘይሓስቡን ዘይምዕቡላትን ክውሰዱ ነውሪ ኢዩ። ከም በዓል ኣማኑኤል ሳህለ ዝበልኩም ምሁራት ድማ፡ ነዚ ፈላሊኹም ህዝቢ ክትምህሩ ኢዩ ትጽቢትና።

    ታደሰ ኪዳነ
    በርሚንግሃም፡ ዓባይ ብሪጣንያ

  • ታደሰ ኪዳነ May 22, 2015

    በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ብስምካ ኣብ ኣሰና ዝወጽእ ጽሑፋት አድንቕ። ነዚ ክብ ኢለ ዝጸሓፍኩዎ ድማ፡ ነቲ ንዮሴፍ ገብሪሂወት ደጊፍካ ዝሃብካዮ ሓሳብ ዝምልከት ኢዩ። ምኽንያቱ ንገለ ጽሑፍ ወይ ሓሳባት ቅንጭልካ ዘይኮነ፡ ንመሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልስፍና ናይቲ ጸሓፊ ብደቂቅ ምርኣይ ከም ዘድሊ ንምግላጽ ኢዩ።

  • rezen May 22, 2015

    “ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።” ኣማኑኤል ሳህለ

1 2 3 4

POST A COMMENT